መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝተፈላለዩ ማዕርፎ ነፈርቲ ከተማታት ትግራይ ከካይዶ ዝጸንሐ በራራታት ከም ዝሰረዘ ተፈሊጡ።
ብመሰረት እቲ ካብ ብቅድሚ ትማሊ ምሸት ኣትሒዙ ዝሓለፈ ውሳነ፡ ካብን ናብን ኣዲስ ኣበባን ትግራይን ክካየዱ መደብ ዝተትሓዘሎም በረራታት ከምዝተሰረዙ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እቲ በረራ ናይ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ፡ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ምስ ዘሎ ኩነታት ብዝተኣሳሰር ዝተወስደ ስጉምቲ ምኳኑ’ዩ ዝንገር።
በረሮኦም ዝተሰረዘ ብርክት ዝበሉ ተገልገልቲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ናብ ትግራይ ዝገብርዎ በረራ ብወግዒ ምስራዙ ዝገልጽ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ከምዝበጽሖም ዝገለጹ ኮይኖም፡ ምክንያት ምቁራጽ ናይቲ በረራ ዘይተሓስበ ኩነታት ዝብል መብርሂ ከምዘለዎ”ዮም ዝገልጹ።
በዚ መሰረት፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ሾሞንተ በረራ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ሑመራ ሓደ በረራ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ሽረ-እንዳስላሰ ሰለስተ በረራ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣክሱም ክልተ በረራ፡ ብጠቅላላ ዓሰርተ ኣርባዕተ (14) መደብ ተታሒዙሎም ዝነበሩ በረራታት ምስራዞም ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እቲ ኩነታት ኣብ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ስንባደ ፈጢሩ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።
ብዘይካ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ፈደራል ፖሊስ ብወገኑ፡ ኣብ ሽረ እንዳስላሴን ከባቢኡን ዝነበሩ ኣባላቱ ናብ መቀለ ይስሕቦም ምህላዉ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ በቲ ዝረአ ዘሎ ረባሺ ኩነታት ኣብ ትግራይ ዋጋ ነዳድን ሃለኽቲ ነገራትን ይውስኽ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
ምምሕዳር ከተማ መቐለ ብወገኑ፡ ህዝቢ ንምርባሽ ዋጋ ሃለኽቲ ኣብ ምውሳኽ ዝርከቡ ነጋዶ ግቡእ መቅጻዕቲ ክወስድ ምኳኑ ዝገለጸ ኮይኑ፡ በቲ ኩነታት ዝረዓደ ህዝቢ ግን፡ ነዊሕ ክቅመጥ ዝኽእል ከም ሽኮር ፓስታ ሩዝ ዘይቲ በርበረ ጣፍ ዛኣመሰሉ ሃለኽቲ ነገራት ይእክብ ምህላዉ’ዩ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ዘረጋግጽ።