ጸረ ህዝቢ ኤርትራ ጉጅለ ምኳኑ ንዝሓለፈ 30 ዓመታት ብግብሪ ኣብ ምግላጽ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ትማሊ ሓሙስ 29/ጥሪ/2026 ሃማኖታዊ በዓል ንግደት ኣስተርእዮ ማይ-ምነ፡ ብስነስርዓት ንኸይክበርን ዝተለምደ ግቡእ ሃይማኖታዊ ማዕርግ ከይለብስን ከልኪሉ ምውዓሉ፡ ምንጭታትና ካብ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ገሊጾም።
ዓመታዊ ብኽብ ዝበለ ድምቀት ዝበዓል ንግደት ኣስተርእዮ ማይምነ፡ ከምቲ ግቡእ እቲ ካብ ወጋሕታ ጀሚሩ ክበዓልን፡ ሃይማኖታዊ ክብሪ ክግበረሉ ዘይተዋሕጠሉ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብትእዛዝ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ህግደፍ፡ ንግደት ኣስተርእዮ ማይ-ምነ ኣብ ሕዳር ጽዮን ክኸውን ከምዘለዎ ብምእዛዙ፡ ነቲ ናይ ትማሊ ዕለት ንግደት ደዊንዎ ምውዓሉ’ዮም ምንጭታትና ኣብ ሓበሬቶም ዝገልጹ።
በቲ ዝተወስደ ውሳኔ ዝነደረ ህዝቢ ማይ-ምነ፡ ኣስተርእዮ ማይምነ ኣብ ግቡእ ግዚኡን ሰዓቱን ንምኽባር፡ ናብ’ቲ ቤተክርስትያን ምውሓዙን፡ ኣብ ልዕሊ”ቲ ብጉጅለ ህግደፍ ዝተዋህበ ትእዛዝ ዘለዎ ቅሬቱኡ ምግላጹን ወሲኾም ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣባላት ሰራዊት ክፍለሰራዊት 101 ናብ’ቲ ቦታ ብምስዳድ ቤተክርስትያን ዓጽዩ ህዝቢ ክብትን ምውዓሉ’ዮም ዝገልጹ።
እቲ ትማሊ ዝተፈጸመ ኣገራሚ ትእዛዝ ጉጅለ ህግደፍ፡ ንግደት ኣስተርእዮ ማይምነ ምስ ንግደት ገዳም እንዳ-ኣብነዮናስ ኣብ ሓደ መዓልቲ ብምውዓሉ፡ ናይ ማይ-ምነ ኣስተርእዮ፡ ናብ ሕዳር ጽዮን ክቕየር ኣለዎ ካብ ዝብል ምኽንያት ዝብገስ ምንባሩ ወሲኾም ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ ህዝቢ ማይምነ ብተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ህግደፍ ነዲሩ ምውዓሉ’ዮም ወሲኾም ዝገልጹ።
ኣስተርእዮ ከይገብር ተኣጊዱ ዝወዓለ ህዝቢ ማይ ምነ፡ ንብርቱዕ ጸሓይን ጸቕጢ ዕጡቓትን ተጻዊሩ፡ ኣብ ከባቢ እቲ ቤተክርስትያን ኣብ ዝርከብ ጽላል ኣግራብን፡ ቃልዕ ቦታን፡ ብምኳን፡ ናብ ገዙኡ ምምላስ ኣብዩ ምውዓሉ ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ ኣማስዩኡ ገደብ ሰዓት ብምግባር ካህናት በተክርስትያን ክዓጥኑ ጥራሕ ቤተክርስትያን ምክፋቱ’ዮም ዝገልጹ።