ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ሰልፊ ስምረት ትግራይ፡ ህወሓት ኣብ ከባቢ ዓፋርን ጎንደርን መጥቃዕቲ ወጢኑ ከምዘሎ ኣጠንቂቑ።
ብኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝኮነ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ፡ ተቓዋሚ ውድብ ዲሞክራስያዊ ስምረት ትግራይ፡ “ድሑር ጕጅለ” ክብል ዝጸውዖ ህወሓት፡ ክልል ዓፋርን ጎንደርን ንዘዳውብ ከባቢታት ዒላማ ዝገበረ፡ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ምድላዋቱ ምሉእ ብምሉእ ውዲኡ ተዅሲ ጀሚሩ ኣሎ ክብል ከሲሱ።
እቲ ጕጅለ፡ ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ብግልጺ ከም ዝጠሓሰ ኣብ መግለጺኡ ዝጠቀሰ ውድብ ስምረት፡ ከበድቲ ኣጽዋር ካብ ዝተቐብረን ዝተሓብአን ቦታ ኣውጺኡ፡ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን የጸግዖ ምህላዉ’ዩ ወሲኹ ዝከስስ።
ሰልፊ ስምረት ኣብ መግለጺኡ፡ እዚ ወተሃደራዊ ስርሒት እዚ፡ ሕግን ስርዓትን ብምጥሓስን፡ ውዕል ፕሪቶርያ ብምፍራስን ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ምንቅስቃስም ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃሱ፡ ህወሓት ነዚ ኲናት እዚ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ብምትሕብባር የካይዶ ምህላዉ’ዩ ወሲኹ ዝኸስስ።
ብጉልባብ ምምላስን ምክባርን ግዝኣታዊ ሓድነት፡ ብዅሉ ኣንፈት ውግእ ንምውላዕ ምምቅርራባቱ ኣጻፊፉ፡ ብውጥን ዳግማይ ኲናት ንኽውልዕን፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብብረት ክዓሉ ይህቅን ምህላዉ ዝከሰሰ ስምረት፡ ህወሓት ብዋጋ መንእሰያት ይጻወት ምህላዉ’ዩ ዝከስስ።