ኣቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ መሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ፡ ኣብ ገለ ክፋላት ትግራይ ንዝግንፍል ዘሎ ኵነታት ብቐረባ ይከታተሎ ምህላዉን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብዘጋጠመ ምዕባለታት ዓሚቝ ስክፍታ ከም ዝተሰምዖን ገሊጹ።
እቲ ኣቦ መንበር ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ብሞንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ 2 ሕዳር 2022 ዝተኸተመ ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ዕላሙኡ ቀዋሚ ምቍራጽ ተጻብኦታት ምውሓስ ምኳኑን፡ ኣገዳስነቱ ውን ልዑል ከምዝኮነን ዘዘኻከረ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር በዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ልዑል ስክፍታ ከምዝተሰምዖ’ዩ ዝገልጽ።
ኵሎም ወገናት ልዑል ነብሰ-ምግታእ ክገብሩ፡ ምትእምማን ክጎድል ካብ ዝገብር ተግባራት ክሕየቡ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውዕል ፕሪቶርያ ዝነበሩን ዘይተተግበሩን ጉዳያት፡ ብሃናጺ ዘተ ጥራሕ ክፍትሑ ዝጸውዐ እቲ ኣቦ ወንበር፡ ከም ዘለዎም ብምግላጽ፡ ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ፈደራልን፡ ንግዴታታትን ውዕል ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ክግዝኡ ከምዘለዎም’ዩ ዝጽውዕ።
ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ውዕል ፕሪቶርያ ብምልኣትን ኣድማዒ መንገድን ንምትግባር፡ ዘለዎ ጽኑዕ ተወፋይነት ደጊመ የረጋግጽ ዝበለ መሓመድ ዓሊ ዮሱፍ፡ ኣብ ምውሓስ ሰላምን ዕርቅን ውን፡ ንዅሎም ወገናት ዝህቦ ደገፍ ከም ዝቕጽል ብምግላጽ፡ ናብ ምሉእ ግጭት ንኸያኣትዉ’ዩ ጻውዒቱ ዘቅርብ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ብወገኑ፡ ብመንገዲ ላዕለዋይ ደረጃ ፓነል ኢትዮጵያ ኣቢሉ፡ ምትእምምና ኣብ መንጎ ክልተኦም ሓይልታት ንምፍጣርን፡ ኣብ ክልል ትግራይ ነባሪ ሰላምን ምርግጋእን፡ ድልው ምህላዉ ምሕባሩ ኣይርሳዕን።