ካብ ከባቢታት ራያ ኣላማጣ ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብቲ ቦታ ድሕሪ ምውጹኡ፡ ካብ ዳግማይ መጥቃዕቲ ብምስጋእ ቤት ንብረቱ ገዲፉ ይፈናቀል ምህላዉ ተገሊጹ።
ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ፌደራል ሓይልታትን፡ ንከባቢታት ራያ ኣላማጣ ሓዲጎሞ ድሕሪ ምውጻኦም፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ሓድሽ ግጭት ክለዓል ይኽእል’ዩ ዝብል ስጋኣት ኣብ ህዝቢ እቲ ከባቢ ከቢድ ስክፍታ ምፍጣሩ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ በዚ ምክንያት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ ናብ ሰሜን ወሎን ዋግኽምራን ይግዕዙ ምህላዎም’ዩ ንዝገር።
ሬድዮ ሃራምቤ ንነበርቲ እቲ ከባቢ ኣዘራሪቡ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ህዝቢ ራያ ኣላማጣ ስንቅን ክዳውንትን ከይሓዘ እግሩ ናብ ዘምርሖ ክስደድ ተገዲዱ ምህላዉ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣካለ ጉዱኣት፡ ዓበይቲ ዓድን ነብሰጾር ኣዴታትን፡ ብእግሮም ልዕሊ 15 ኪሎ ሜተር ይጓዓዙ ምህላዎም’ዩ ዝገለጽ።
ኣብ ከባቢታት ራያ ኣላማጣ ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ሰሙናት፡ ካብ ወጥርን ስጋኣትን ወጻኢ እዚ ዝበሃል ኲናት ኣይተራእየሉን ዝበሉ እቶም ነበርቲ፡ ረቡዕ ለይቲ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ፌደራል ሓይልታትን ነቲ ከባቢ ገዲፎሞ ምውጻኦም ግን፡ ምስ ምምጻእ ህወሓት መጥቃዕቲ ክወርደና ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ዝሓደሮ ህዝቢ፡ ቤት ንብረቶም ገዲፉ ይፍንቐሉ ምህላዉ’ዩ ኣብ ሓበሬቱኡ ዝገልጽ።
ሓደ ኣቦ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ካብ ከተማ ኣላማጣ ተፈናቒለ፡ ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ከተማ ቆቦ ኣብ በረንዳ ወዲቐ ኣለኹ ዝበሉ ኮይኖም፡ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑን፡ እቲ ብቁጠባዊ ኩነታት ዝሳቀ ዘሎ ህዝቢ ውን ዳግማይ ኲናት ናይ ምጽዋር ዓቅሙ ትሕቲ 0 ምኳኑ’ዩ ዝግለጽ።