ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን፡ ኣብ መንጎ ክልላት ትግራይን ኣምሓርን ናብ ዝርከብን፡ ብናይ ይብጻሓኒ’ዩ መሰል ናብ ዘካትዕን ቦታታት ወረዳ ጸልምቲ፡ ወተሃደራቶም ከም ዘንቀሳቐሱን፡ ዳግማይ ሓድሽ ግጭት ከም ዝተፈጥረን ኢትዮ-ኒውስ ጸብጺቡ።
ሓይልታት መንግስቲ ፈደራል ብ26 ጥሪ 2026 ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ተዅሲ ድሕሪ ምኽፋቶም፡ ኣብ ከባቢ ማይዳጉሻ ውግእ ከምዝተላዕለን፡ ድሕሪ እቲ ናይ ፈለማ ምልውዋጥ ተዅሲ ውን፡ እቲ ኩነታት ናብ ምሉእ ግጭት ይዓርግ ከም ዘሎን ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ክገልጻ ምጽንሐን ዝዝከር ኮይኑ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ወጥሪ ዝመሎኦ ኩነታት ብዙሕ ስክፍታ ፈጢሩ ምህላዉ’ዩ ዝእመን።
ኣብ 28 ጥሪ 2026 ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ከባቢታት ማንጫራን ዲማን ፡ ብኸበድቲ ኣጽዋር ዝተሰነየ ውግእ ከም ተራእየ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ’ውን ሓያል ወጥሪ ከም ዝነበረን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ኣላማጣ ካብ ዝነበረ መዓስከራቱ ከም ዘንሰሓበ’ውን እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ዘረድእ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ብዛዕባ’ዚ ዳግማይ ምሉእ ኲናት ኮይኑ ከይለዓል ስግኣት ፈጢሩ ዝርከብ ግጭት፡ ዝኮነ ይኩን ካብ ምባል ተቆጢቦም ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ህዝቢ ትግራይ ግን፡ በቲ ኩነታት ከቢድ ስክፍታ ሓዲርዎ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።
ብመሰረት ሓድሽ ሕግታት ባንክ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትግራይ ተጠቀምቲ፡ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 2,000 ብር ከየውጽኡ ተደሪቶም ምህላዎም ውን ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ዝገብሮ በረራታት ሎሚ ንሳልሳይ መዓልቱ ደው ኢሉ ምህላዉ ውን፡ መራኣያ ናይቲ ተፈጢሩ ዘሎ ስክፍታ ምኳኑ’ዩ ዝእመን።