ህወሓት ካብ ትማሊ ዓርቢ 30 ጥሪ ጀሚሩ፡ ምስ ኤርትራ ዘራክልኽብ መስመር ራማ ንወታደራዊ ምንቅስቓሳት ጥራይ ክፉት ክኸውን ብምግባር፡ ናብ ትግራይ ዘእትዉ ኩሎም መስመራት ክዕጸዉ ምውሳኑ ተገሊጹ።
በዚ መሰረት ናይ ራያ ጨርጨር-ዓፋር (ያሎ) መስመር፡ ካብ 30 ጥሪ 2026 ጀሚሩ፡ ንኣጋርን ተሽከርከርትን ተዓጽዩ ምህላዉ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ውን፡ ህወሓት ኣብ ወረዳ ያሎ ኣብ ዝርከብ ዶብታ ትግራይን ዓፋር፡ ኣብ ራያ ጨርጨርን ቢሶበርን ወተሃደራት ኣስፊሩ ምህላዉ’ዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዘረድእ።
ኣብ መንበሪ ኣባይቲ፡ ኣብ ኣብያተ ክርስትያንን፡ ኣብያተ ትምህርቲ ከይተረፈ፡ ዝተተኽለ ከበድቲ ኣጽዋር ይረአ ምህላዉ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ክልተ መድፍዕ፡ ሓደ ዙ-23፡ ክልተ ሞርታርን፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት TPF ክትኩስ ድሕሪ ምውዓሉ፡ ኣማስዩኡ ብዝተፈጸመ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ፡ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ከምዝኾኑ’ዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዘረድእ።
ምስ’ዚ ብዝተኣሳሰር ዜና፡ ህወሓት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ንዝርከቡ መንእሰያት፡ ብሓይሊ እናገፈፈ ናብ ግንባር የዋፍሮም ምህላዉ መናኸሪያ ሬድዮ 99.1 ንምንጭታቱ ጠቒሱ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ገሊጹ።
እቲ ብዓዲግራት፡ ዓድዋን ካልኦት ከተማታት ትግራይን ዝጀመረ ናይ መንእሰያት ግፋ፡ ብሽም ብረታዊ ቃልሲ መንእሰያት ናብ ምዕራባዊ ግምባር ወልቃይት ንምውሳድ ዝዓለመ ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ህወሓት ብወገን ጠለምቲ ኣብ ዝኸፈቶ ኲናት፡ ዓቢ ናይ ሰብን ንብረትን ክሳራ ከም ዝበጽሖ”ዩ ወሲኩልዂ ዝገልጽ።
ኣብ’ቲ ከባቢ ምስ ዝርከቡ ሓይልታት ሚሊሻ ኣብ ዝተገብረ ውግእ፡ ብርክት ዝበሉ ዕጡቃት ሙውታትን ቁሱላትን ምኳኖም በጺሐዮ ኣለኩ ዝበለ እቲ ሓበሬታ፡ ሰብ ሓይሊ ብቅልጡፍ ንምትካእ፡ ኣብ’ዚ ሰዓት ኣብ ከተማታት ንዝርከቡ መንእሰያት ናይ ምግፋፍ ስራሕ ይካየድ ምህላዉ’ዩ ዝገልጽ።
እቲ ሓበሬታታት ከም ዘመልክቶ፡ ዝተገፈፉ መንእሰያት ብመካይን ተጻዒኖም ናብ ኣንፈት ወልቃይት ይውሰዱ ምህላዎም ኮይኑ፡ ይኹን እምበር መንእሰይ ትግራይ ንዳግማይን መወዳእታ ዘይብሉን ኲናት ክብል ሂወቱ ክህብ ከምዘይብሉ’ዩ ዝጠቅስ።