ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝረአ ዘሎ ኩነታት፡ ናብ ዳግማይ ጎንጺ ናይ ምምዕባል ዝንባለታት የሪኢ ምህላዉ ከምዘሻቕሎ ገሊጹ።
እቲ ትማሊ ብቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ እቲ ውድብ ዝወጸ መግለጺ፡ ውድብ ሕብራት ሃገራት ሎሚቕነ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝረአ ዘሎ ሓደሽቲ ምዕባለታት ብቐረባ ይከታተሎ ምህላዉ ዘመልክት ኮይኑ፡ እቲ ኩነታት ፈኸም እንዳበለ ሓድሽ ደማዊ ኲናት ይጽውዕ ከይህሉ ስጋኣት ከምዝተሰምዖ’ዩ ዝገልጽ።
መግለጺ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብስም ምክትል ወሃቢ ቃል እቲ ቤት ጽሕፈት ፋህራን ሃቅ ዝወጸ ኰይኑ፡ እቲ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፈደራልን ዕጡቅ ሓይሊ ህወሓትን ዝረአ ዘሎ ሓድሽ ኩነታት፡ ኣዝዩ ዘሻቕል ከምዝኰነን፡ ዋና ጸሓፊ እቲ ውድብ ውን ብትኹረት ይከታተሎ ምህላዉን’ዩ ዝሕብር።
ካብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ጀሚሩ፡ ኣብ ከባብታት ወረዳ ጸለምንትን ደቡብ ትግራይን፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ኢትዮጵያን ንዝተወለዐ ግጭት ስዒቡ፡ በረራ ነፈርት ምቁራጽን ኣብ ኣገልግሎት ባንክ ገደብ ምቅማጥን ከምዘስዓበ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ኩነታት ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ስክፍታ ክወድቅ ጌርዎ ምህላዉ’ዩ ዝእመን።
ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ሰለስተ ከባቢታት ዞባ ማእከል ትግራይ፡ መጥቃዕቲ ድሮን ከምዝተፈጸመ ውን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ በቲ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ሓደ ሰብ ህይወቱ ክስእን እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ንብረት ዝጸዓና ተሽከርከርቲ ውን፡ ዕንወት ምውራዱ ተገሊጹ’ዩ።
ካብን ናብን ኣዲስ ኣበባን ከተማታት ትግራይን ክግበር ዝጸንሐ ኣገልግሎት በረራ ነፈርቲ ውን፡ ደው ካብ ዝብል ራብዓይ መዓልቱ ሒዙ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ናይ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ኩነታት ፈኸም እንዳበለ ይምለስ ከይህሉ’ዩ ስጋኣቱ ዘቀምጥ።
ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ሞንጎ ትግራይ መንግስቲ ፈደራልን ተጀሚሩ ዘሎ ወጥሪን ጎነጽን፡ ሰፊሕ ናይ ድሕነት ስግኣት ፈጢሩ ምህላዉ ዝገልጽ ውድብ ሕብራት ሃገራት፡ ኩሎም ኣካላት ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ሰለማዊ ፍታሕ ከናድዩ እዩ ዝጽውዕ።