ብፋይላት ኤፒስተይን ዝፍለጥን፡ ብዙሕ ምስጢራት ከም ዝሓዘ ዝንገረሉን ሰነዳት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ብትእዛዝ ቤትፍርዲ ኣመሪካ ገለ ክፋሉ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ኣብይን ኢሰያስን ኣብቲ ኣብ 2018 ዝፈረምዎ ናይ ሰላም ስምምዓት፡ ክልቲኤን ሃገራት ናይ ምሕባር ትኽእሎ ምንባሩ ዝገልጽ ሰነድ፡ ኣብቲ ምስጢራዊ ደኩመንት ከምዝተረኽብ ተገሊጹ።
ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ዝተዘርግሐ ምስጢራዊ ፋይላት ኤፒስተይን፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓንቲ ሃገር ንምኳን ዘኽእል ዕድላት ምንባሩ ዝጠቅስ ሰነድ ምርካቡ፡ ኣብ ብዙሓት ኤርትራውያን ዓቢ ሕቶ ፈጢሩ ምህላዉ፡ እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘሎ ስምዒታት ዝምስክሮ ኮይኑ፡ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ስልታዊ ጽንተት፡ መሰረቱ ካብ’ቲ ሓሳብ እቲ ዝብገስ ምኳኑን፡ እቲ ኣብ 2018 ንኣብይ ኣሕመድ ዛኣትወሉ ዝነበረ መብጽዓታት ውን ካብ’ቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ዝተገብረ ምስጢራዊ ስምምዓት ዝነቅል ምኳኑ’ዩ ዝንገር።
ብጾታዊ ገበናትን፡ ምስግጋር ትሕቲ ዕድመ ደቂ ኣንስትዮ ንጾታዊ ዓመጻትን፡ ብዝብሉ ገበናት ተኸሲሱ ብ6 ሓምለ 2019 ኣብ ኒውዮርክ ዝተኣስረ ኤፒስተይን፡ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኣብ 10 ነሓሰ 2019 ብማሕነቕቲ ነብሱ ከምዝቀተለ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ጠንቂ ሞቱ ውን ካብ ነብሰ ቅትለት ንላዕሊ፡ ብመንግስቲ ተቐቲሉ ክኸውን ከምዝክእል’ዩ ክግለጽ ጸኒሑ።
ፋይላት ኤፒስተይን፡ ብጠቕላላ ልዕሊ 6 ሚልዮን ገጻት ዝሓዘ ኮይጁ፡ እቲ ልዕሊ 3.5 ሚልዮን ገጻት፡ ልዕሊ 2,000 ቪድዮታትን ልዕሊ 180,000 ኣሳእልን፡ ብትእዛዝ ቤትፍርዲ ናብ ህዝቢ ዝተዘርግሐ ኮይኑ፡ ምስ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያ ከምዝተራከበን፡ ዳግማይ ሓደ ሃገር ዝኮናሉ ዕድላት ምህላዉን ዝጠቅስ ሓበሬታ፡ ነቲ ናይ 2018 ርክባቶም ምርኩስ ብምግባር ተሰኒዱ ምጽንሑ፡ ኣብ ብዙሓት ደገፍቲ ምልኪ ሃገርና ስንባደ ፈጢሩ ይርከብ።
ኣብ ፋይላት ኤፒስተይን፡ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ቁጽሪ ሓደ ሃብታም ዓለምና ኢሎን መስክ፡ ቢል ጌይትስ፡ ኣባላት ንጉሳዊ ስድራቤት ብሪጣንያ፡ ቢልዮነራትን ህቡባት ሰባትን፡ ምኒስተር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣብቲ ፋይል ተጠቂሶም ምህላዎም ውን ዝተፈልጠ ኮይኑ፡
እቲ ዝተረኽበ ምስጢራዊ ሰነድ፡ ካብ ምስ ኤፒስተይን ዝተኣሳሰር ሰነዳት፡ ኢመይላት፡ ቃለ-ምስክርነት ግዳያት፡ ቃል ከሰስቲ፡ ጸብጻብ ቤትፍርዲ፡ መዝገብ በረራታት፡ ደብዳበታት ካልእን ምርኩስ ዝገበረ ሰነድ ኮይኑ፡ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ኤርትራ ዳግማይ ኣካል ኢትዮጵያ ንምግባራ ክኸዶ ንዝጸንሐ ጉዕዞ ንጹር ስእሊ ዘትሕዝ ተወሳኪ ሓበሬታ ብምኳኑ፡ እቲ ስርዓት እንታይ ዓይነት ግብረመልሲ ክህበሉ ይኽእል ዝብል ዓቢ ትጽቢት ምህላዉ ውን ዝእመን።