ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ኣብ ሞንጎ ጉጅለ ህግደፍን መንግስቲ ብልጽግናን ተፈጢሩ ዘሎ ምትፍናን ካብ ኲናት ትግራይ ከምዝፍልም ገሊጹ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ ዝገለጸ፡ ትማሊ ሰሉስ ንኣባላት ባይቶ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኮይኑ፡ ምስሕሓብ ክልአቲን ሃገራት ነቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዙርያ ኣፍደገ ባሕሪ እተርእዮ ዘላ ጥሙሕ ስዒቡ ዝመጽአ ከም ዘይኰነን፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኲናት ትግራይ ኣባይቲ ከቃጽል፡ ንብረት ከዕኑን ክዘርፍን ድሕሪ ምጅማሩ ዝፈለመ ምኳኑን”ዩ ዝገልጽ።
ገለ ሰባት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ጸገም፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጕዳይ ቀይሕ ባሕሪ ስለ ዘልዓለ ዝመጽ እዩ ዝመስሎም፡ ይኩን እምበር እዚ ግን ጌጋ እዩ ዝበለ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ፡ ድሕሪ ምፍራስ ግምባር ሽረ ናብ ትግራይ ዛኣተወ ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣኣብ ዛኣተዎ ዓዲ ኣባይቲ ከዕኑ ክዘርፍን ክሰርቕን ድሕሪ ምጅማሩ እቲ ወጥሪ ሰማይ ምዕራጉ’ዩ ኢሉ ዝገልጽ።
ኲናት ትግራይ ምስ ተጀመረ፡ ኣብ ቀዳማይ ዙር ውግእ ንሽረ ሓራ ምስ ኣውጻእና፡ ሰራዊት ኤርትራ ብድሕሪት ተኸቲሉ ብምእታው፡ ገዛውትን ናይ ገለ ውልቀሰባት ትካላትን ከፍርስ ጀሚሩ፡ ሽዑ ቅርሕንቲ ተጀሚሩ፡ ግን ኣይተዛረብናሉ ኢሉ ዝፈለመ ኣብይ፡ ብኣኽሱም ክንሓልፍ ከለና ውን፡ ኣኽሱም ኣትዮም መንእሰይ ብጃምላ ክቐትሉ እንከለው ቅርሕቲ ተላዒሉ ድሕሪ ምባሉ፡ ንዓድዋ ተቆጻጺርና ምስ ሓሊፍና ግን፡ ኣብ ዓድዋ ፋብሪካታት ክዘምቱ ድሕሪ ምጅማሮም፡ ኣብ ዓዲግራት ምስ በጻሕና ከኣ፡ ፋብሪካ መድሃኒት ከዕንዉ እንከለው እቲ ቅርሕንቲ ኣብ ጫፍ በጺሑ ክብል’ዩ ዝገልጽ።
ኣብቲ እዋን’ቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብክልተ ኣንፈት ናይ ምውጋእ ዓቕሚ ኣይነበሮን ዝበለ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ኣብ’ዚ ጕዳይ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ነበር ገዱ ኣንዳርጋቸው ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኤርትራ ክዘራረብ ከም ዝለኣኾን፡ ገዱ ንማዕተቡ ክብል ንምንታይ ከምዝተላእከ ክምልስ’ዩ ሓቲቱ ዝርከብ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ምስ ጉዳይ ወደብን ባሕሪን ብዝዛመድ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ብተወሳኺ፡ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ፡ ብዲፕሎማስን ዝርርብን ንምዕዋት ንጽዕር ኣለና፡ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ግን ምዕዋቱ ኣይክተርፍን’ዩ ዝበለ ኮይኑ፡ ሎሚ ብዝኾነ ምኽንያት ዘይከውን እንተመሰለ ውን፡ ጽባሕ ክዕገት ኣይክእልን’ዩ ድሕሪ ምባሉ፡ ናብ ዘየድሊ ሽግር ቅድሚ ምእታዉና ግን ብሰላምን ብዝርርብን ንምፍትሑ ቅሩብ ምህላዉ’ዩ ከረድእ ዝፍትን።
ካብ ጫፍ ባጽዕ ክሳብ ሞቃድሾ ዘሎ ንውሓት ገምገም ባሕሪ፡ ኣብ 5000 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ ምዃኑ ዘዘኻኸረ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኢትዮጵያ 50 ኪሎሜተር ጥራይ ከም ዝሓተተት፡ እዚ ከኣ ኣዝዩ ፍትሓዊ ምኳኑ ብምጥቃስ፡ ኢትዮጵያ ካብ ግድብ ህዳሰ ይዅን ካብ መንገዲ ኣየር ብጽሒት ብምሃብ፡ ወደብ ባሕሪ ክትረክብ ከም እትደሊ ብምጥቃስ፡ ነዚ ምቕባል ድማ ኣድላዪ ምኳኑ’ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ሃቡና ጥራይ ኣይኮናን ንብል ዘለና፡ ዘለና ውን ውሰዱ ዝበለ ኣብይ፡ ካብዚ ወጻኢ ግን፡ 130 ሚልዮን ህዝቢ ኢትዮጵያ ንዅሎም ጐረባብቲ ዕዳ ከምዝዀነ ብምጥቃስ፡ ኢትዮጵያ ወደብ እንተዘይረኺባ፡ ዝተለመቶ ብልጽግና ክትበጽሖ ከምዘይኮነት’ዩ ዝገልጽ።