ሰበስልጣን ዕጡቅ ጉጅለ ሑቲ፡ ኢትዮጵያውያን ኣመንቲ ክርስትና ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት ክግልገልሎም ኣብ ልዕሊ ዝጸንሑ ኣብያተ ክርስትያናት፡ ናይ ምዕጻው ስጕምቲ ከም ዝወሰዱ ተገሊጹ።
እቲ ኣብ የመን ከተማ ሰንዓ ዝርከብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ጊዮርጊስ፡ ሃንደበት ኣብ በዓል ልደት ብሰበስልጣን ሑቲ ከምዝተዓጽወ ነበርቲ እቲ ከተማ ዝገለጹ ኮይኖም፡ ቅድሚ ዝተወሰነ እዋን ኣብ ልዕሊ እታ ቤተእምነት ዘመተ ከምዝተፈጸመን፡ ኣብ በዓለ ልደት ከኣ ብዕጡቃት ከምዝተዓጽወን’ዮም ዝገልጹ።
ኣብ ሰንዓ የመን፡ ንልዕሊ 20 ዓመታት ከም ከምዝተቀመጠት እትዛረብ ኣማኒት ፕሮቴስታንት ጓለንስተይቲ ብወገና፡ ቅድሚ 25 ዓመት ቪክቶር ብዝተባህለ ህንዳዊ ዝተመስረተት ናይ ኢትዮጵያውያን ወንጌላውያን ቤተእምነት ውን፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ከምዝተዓጽወን፡ እቲ መስራቲ እውን ከምዝተኣሰረን ዝገለጸት ኮይና፡ ነታ ከተማ ተቆጻጺሮም ዘለዉ ዕጡቓት ሑቲ፡ ቅድሚ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፡ ነታ ብፓስተር ቪክቶር እትምራሕ ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን ከምዝዘመቱን፡ መጽሓፍ ቅዱስን ገለ ንዋያትን እውን ከምዝወሰዱን’ያ ትገልጽ።
ኣቶ ኣብርሃም በቀለ ብወገኑ፡ ሰበስልጣን ሑቲ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ናብታ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን መጺኦም፡ ገንዘብን ንብረትን ዘሚቶም ምካዶም ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ’ታ ሰንዓ እትርከብን፡ ብኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ እትመሓደር ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጊዮርጊስ፡ ስለምንታይ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ክውሰድ ተደልዩ ንጹር ዘይምኳኑ’ዮም ዝገልጹ።
እታ ቤተክርስትያን ፈለማ ወተሃደራዊ መዓስከር ከምዝነበረት፡ ድሒሩ ግን ኣብ ሰንዓ ንዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ኣመንቲ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመረት ዝገልጽ ኣቶ ኣብርሃም፡ ወላ ውን ኣመንቲ ካልእ ሃይማኖት ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ኣገልግሎት ትህብ ጽላል ምንባራ ብምጥቃስ፡ እቲ ውሳነ ከምዘሰንበዶም’ዮም ዝገልጹ።
ኣቶ ኣብርሃም ወሲኹ፡ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጊዮርጊስ ቅድሚ ሕጂ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ኢትዮጵያውያን ኦርቶዶክሳውያን ክርስትያን ዘምልኹሉ ቦታ ከምዝነበረ፡ ሕጂ ግን ኣብዚ ስርዓተ ኣምልኾ ምክያድ ኣይፍቀድን ብዝብል ትእዛዝ፡ ተዓሺጉ ምህላዉ ዝገለጸ ኮይኑ፡
እተን ኢትዮጵያውያን ኣመንቲ ስርዓት ኣምልኾ ዝፍጽሙለን ኣብያተ ክርስቲያናት ዝተዓጽዋሉ ምኽንያት ብዝምልከት፡ ካብ ሰበስልጣን ሑቲ ወግዓዊ መግለጺ ከምዘይተዋህቡ ውን’ዩ ዘረድእ።
ኣብ 2015 ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ሑቲ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ እተካይደሉ ዝነበረት እዋን፡ ታቦት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጊዮርጊስ ናብ ካልእ ቦታ እንተ ተሰጋገረ’ኳ፡ ዝኾነ ሃይማኖታዊ ጽምብል ግን፡ ኣብ ቀጽሪ እታ ቤተክርስትያን ብዓቢ ድምቀት ይበዓል ከምዝነበረ ዝሓበረ ኣቶ ኣብርሃም፡ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ግን ብስሩዕ ንዘገልግል ዝነበረ ካህን ብምጽዋዕ፡ ሰበስልጣን ሑቲ ነታ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝዓሸጉዋ’ዩ ዝሕብር።