ግብጺ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ሱዳን፡ ብናይ ድሮናት መጥቃዕቲ፡ ብቐጥታ ትሳተፍ ምህላዋ፡ The New York Times ገሊጹ።
ብመሰረት ጸብጻብ መርመራ ዘ’ኒውዮርክ ታይምስ (The New York Times)፡ ግብጺ በቲ ኣብ ምዕራባዊ በረኻታት ብምስጢር ብዝሃነጸቶ ወተሃደራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኣቢላ፡ ኣብ ግጭት ሕድሕድ ሱዳን ብቐጥታ ክትሳተፍ ጀሚራ ምህላዋ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ምስልታት ሳተላይት፡ መረዳእታታት በረራን ጉዕዞ ዲፕሎማሰኛታት ምዕራብን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሰራዊት ግብጺ ኣብ ዝሓለፉ ሹድሽተ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ (RSF) ሱዳን መጥቃዕቲ ድሮን ክፍጽም ምጽንሑ”ዩ ዝገልጽ።
እዚ መጥቃዕቲ ኣብ ጥቓ ዶብ ግብጽን ሱዳንን ኣብ ዝርከብ “ኢስት ኦዌናት” (East Oweinat) ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ናይ ሕርሻ ፕሮጀክት፡ ተሓቢኡ ካብ ዝርከብ ወታደራዊ መደበር ይብገስ ምህላዉ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፡ ግብጺ ምሉእ ብምሉእ ብናይ ድሮናት መጥቃዕቲ ኣብ’ቲ ኲናት ኢዳ ክትሕውስ ካብ እትጅምር ድሮ ሽድሽተ ኣዋርሕ ተቆጺሩ ምህላዉ’ዩ ዘረድእ።
እቲ መደበር ብማዕዶ ክርአ እንከሎ፡ ሲቪላዊ ዝመስል ዋላ’ኳ እንተኮነ፡ ምስልታት ሳተላይት ከምዘነጽሮ ግን፡ ክልተ መዕርፎ ነፈርቲ፡ ኣስታት 17 መዐሸጊ ነፈርትን ዘመናዊ ናይ ሳተላይት መራኸቢታት ዝተሃንጸሉ ምኳኑ’ዩ ዝገልጽ።
እቲ ጸብጻብ ወሲኹ፡ ግብጺ እተካይዶ ዘላ ናይ ድሮናት መጥቃዕቲ፡ ኣብ ውሽጢ መሬት ሱዳን ንዝርከብ መዓስከራት RSF ዒላማ ዝገበረ’ዩ ዝበለ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ነቲ ድሮ ንብዙሓት ግዳማዊ ሓይልታት ስሒቡ ዘሎ ግጭት ሱዳን ሓድሽ መልክዕ ከትሕዞ ከምዝኽእል’ዩ ዝጠቅስ።
ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ንሞት ዝዳረገን፡ ኣስታት 12 ሚልዮን ህዝቢ ዘፈናቐለን ኲናት ሕድሕድ ሱዳን፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ንዞባውን ዓለምለኻውን ምትእትታው ዝዕድም መድረኽ ኮይኑ ይቅጽል ምህላዉ፡ ኣብ ሰላም ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓቢ ጽልዋ ፈጢሩ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።