ትማሊ ረቡዕ 4 ለካቲት 2026 ከባቢ ሰዓት 7 ምሸት፡ ሰራዊትን ወተሃደራዊ ስንቅን ኣብ ምምልላስ ዝንቀሳቀሳ ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን፡ ብኣንፈት ዓዲግራት ንዛላምበሳ ሰጊረን፡ ሰርሓ ዝተባህለ መሬት ኤርትራ ካኣትዋ ከምዝሓደራ፡ ትማሊ ኣማስዩኡ ናይ ቪድዮ ምስሊ ኣሰንዩ ዝወጸ ሓበሬታ ገሊጹ።
እተን ምሉእ ሃሳስ ቀጠልያ ሕብሪ ዝውንና ዓበይቲ በጥሓት፡ ቅድሚ 5 ዓመታት ኣብ ዝተካየደ ደማዊ ኲናት ትግራይ፡ ቀንዲ መጓዓዝያ ሰራዊት ትግራይ ብምኳን ይንቀሳቀሳ ምንባረንን፡ ክልተ ተጎታቲ ኣካል ዝውንና ምኳነንን ዝጠቀሰ እቲ ሓበሬታ፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ ህወሓትን መንግስቲ ፈደራልን ተፈጢሩ ዘሎ ምትፍናን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሰራዊት ወይ ውን ወተሃደራዊ ስንቂ ንምግዓዝ ናብ ኤርትራ ኣትየን ክኾና ከምዝኽእላ’ዩ ወሲኹ ዘረድእ።
እተን ናብ ኤርትራ ክኣትዋ ኣብ ዓይኒ ህዝቢ ዛኣተዋ ዓበይቲ በጥሓት፡ ዋላ’ኳ ቁጽረን ብልክዕ እንተዘይተቀመጠ፡ ብሓርፋፍ ገምግማ ግን ልዕሊ 20 ክኾና ከምዝክእላ ዝጠቀሰ እቲ ሓበሬታ፡ ኮሎኔል ሃይለስላሴ ኣሰፋ (ወዲ ፈጠን) ዝተባህለ ኣዛዚ ኣርሚ-15ን፡ ኮር-151ን ፓትሮል ብዝዓይነታ መኪና ነቲ ጉዕዞ ይዕጅቦ ምንባሩ’ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ህወሓት ካብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣትሒዙ፡ ምስ መንግስቲ ፈደራል ናብ ግጭት ብምእታዉ፡ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ምንቅስቃሳት ኣብ ዶብ ኤርትራን ትግራይን ምቅናዩ ውሲኹ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ኣካል ናይቲ ዘይተርፍ ኲናት ንምክያድ ዝገብር ዘሎ ምንቅስቃስ ክኸውን ስለዝኽእል፡ ህዝቢ ብኣንክሮ ክከተተሎን ተቓውሙኡ ከስምዕ ከምዝግባእን’ዩ ዝጽውዕ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ትግራይ ገበን ኲናት ምፍጻሙ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዝተኸሰ ጉጅለ ህግደፍ ፡ ንቃላት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር “ሕሱርን ፍንፉንን” ክብል ኮኒኑ።
ብመግለጺ ኣብይ ኣሕመድ ዝተቆጥዐ ጉጅለ ህግደፍ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይን ድሕሪ ኲናት ዝነበረ ኩነታትን፡ ንሰራዊት ኤርትራ ሜዳልያን ናይ ክብሪ ምስጋናን ከምዘቅረበ ብምዝኽካር፡ ቀይሕ ባሕርን ኢትዮጵያን ንዘልኣለም ተፈላልዮም ክነብሩ ኣይኽእሉን ዝብል መግለጺ ኣቢይ’ውን ንባዕሉ “ኣዋጅ ኲናት” ምዃኑ’ዩ ኣብቲ ናይ ግብረመልሲ ቃላቱ ጠቒሱ ዝርከብ።