ኣብ መንጎ መንግስታት ዋሽንግተንን ቴህራንን ዘሎ ወጥሪ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ኢራን ዝርከቡ ዜጋታቱ ብቕልጡፍ ካብታ ሃገር ክወጽኡ ዝጽውዕ ህጹጽ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ።
እቲ ዝተዘርግሐ ናይ መጠንቀቕታ ሓበሬታ፡ ሉኡኻት ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ኦማን ተረኺቦም፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ንምዝርራብ ዝነበሮም መደብ ቀዲሙ ምክያዱ፡ ኣብ ናይ ውሑዳት ሰዓታት ፍልልይ ዝወጸ ከምዝኮነ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እቲ ኣመሪካ ናብ ዜጋታት ዘቅረበቶ ናይ መጠንቀቅታ ደወል፡ ጉዳይ ኢራንን ኣመሪካን ሓደገኛ መልክዕ ሒዙ ይቅጽል ምህላዉ ከምዘረድእ’ዩ ዝእመን።
እቲ ናይ መጠንቀቕታ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ንኢራናውያን ዝተፈላለየ ዓይነት ሓበሬታ ንምክፍፋል ኣብ ዝጥቀመሉ The United States Virtual Embassy ዝተሰምየ መርበብ ሓበሬታን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ገጻት ከምዝተዘርግሐ ዝተጠቅሰ ኮይኑ፡ እቲ ናይ ነብስኩም ኣድሕኑ ደወል፡ ኣብ ኢራን ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተቐየረ ይመጽእ ምህላዉን፡ ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ ምብጽሑን ኣንፈት ዝህብ ምኳኑ’ዩ ዝግለጽ።
ጽኑዕ ምንቅስቃስ ናይ ጸጥታ ሓይልታትን ምንቅስቓስ ቍጽጽርን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርአ ዘሎ ምዕጻው ጽርግያታትን ምቁራጽ ህዝባዊ መጓዓዝያን፡ ብመንግስቲ ኢራን ዝዝወር ኣገልግሎት ኢንተርነት ብሰፊሑ ደው ናይ ምባል ተግባራት ካልእን፡ ንድሕነት ዜጋታት ኣመሪካ ኣሰካፊ ምኳኑ ዝገልጽ እቲ ናይ መጠንቀቕታ ደወል፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ኢራን ምህላዉ ኣገዳሲ ዘይምኳኑ’ዩ ዝገልጽ።
ኢራን ድርብ ዜግነት ንዘለዎም ዜጋታት ኣፍልጦ ስለዘይትህብ፡ መበቆል ኢራን ዘለዎም ኣመሪካውያን ፍሉይ ጥንቃቄ ክገብሩ ዝመኸረ እቲ መጠንቀቅታ፡ ካብ’ታ ሃገር ክወጽኡ ከለዉ ዝኾነ ዓይነት ሕጋዊ ጸገም ንከይገጥሞም: ናይ ኢራን ፓስፖርቶም ተጠቒሞም ክወጽኡን፡ ብህጹጽ ካብቲ ከባቢ ከርሕቁን’ዩ መምርሒ ዝህብ።
በዚ መሰረት፡ ዜጋታት ኣመሪካ ኣብ ኢራን ዘሎ ምቁራጽ ኢንተርነት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምስ ስድራቤቶም ይኹን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ንምርኻብ ኣማራጺ መንገድታት ክጥቀሙ ተሓቢሮም ምህላዎም ዝጥቀስ ኮይኑ፡ ብተወሳኺ ውን ካብን ናብን ኢራን ኣብ ዝግበሩ በረራታት ብሰንኪ እቲ ተፈጤኡ ዘሎ ወጥሪ ይስረዙን ይግደቡን ስለዘለዉ፡ ዜጋታት ኣመሪካ ብመሬት ናብ ከም ኣርመንያን ቱርኪን ዛኣመሰላ ጎረባብቲ ሃገራት ብምግዓዝ ካብቲ ኩነታት ክርሕቁ’ዩ ዝምዕድ።
መጠንቀቅታ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ነቲ ኣብ ኢራን ንሰሙናት ዝቐጸለ ህዝባዊ ተቓውሞታት ስዒቡ፡ መንግስቲ ኢራን ብደረጃ ሃገር ኣገልግሎት ሞባይልን ኢንተርነትን ብምዕጻው፡ ሓበሬታ ንከይወጽእ ኣብ ዝዓግተሉ ዘሎ እዋን ዝወጸ ኮይኑ፡ ሓያሎ ዓለምለካውያን መንገዲ ኣየራት እውን፡ ብሰንኪ እቲ ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት በረራታተን ኣቋሪጸን ምህላወን ዝፍለጥ’ዩ።