ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንፕረዚደንት ነበር ባራክ ኦባማን በዓልቲ ቤቱ ሚሼል ኦባማን ዝዝልፍ፡ ብ ኤኣይ (AI) ዝተቐንባበረ፡ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ኣብ ሰውነት ህበይ ተገጢሞም እንከለዉ ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራከቢ ትሩዝ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ኣብ ብርክት ዝበሉ ፖከቲከኛታት እታ ሃገር ከይተረፈ ከቢድ ቁጠዐ ምፍጣሩ ተገሊጹ።
ምምሕዳር ዋይት ሃውስ፡ ብተግባራት ትራምፕ ንዝሰዓበ ከቢድ ቁጠዐ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ተግባር ፕረዚደንት ትራምፕ ፖለቲካዊ መቀናቅንቱ ንምንቃፍ ዝጥቀሙሉ ናይ ምልጋጽ መንገዲ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እቲ ዝተጓሃሃረ ቁጠዐ ዝተጋነነ እዩ ክብሎ እኳ እንተፈተነ፡ ዝተጠቅመሉ ኣገባብ ግን፡ ዓሌታዊ ኣድልዎ ዘንጸባርቅ ብምኳኑ፡ ወላ ውን ካብ ደገፍቱ ብርቱዕ ቅሬታ ኣስዒቡ ምህላዉ’ዩ CNN ዝገልጽ።
ትራምፕ፡ ነቲ ኣብ 2020 ዝተካየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ፡ ብተደጋጋሚ ግዜ ናይ ዝተሰርቀ ድምጺ ምርጫ’ዩ ዝብል ክሲ ከቕርብ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ በዚ ጉዳይ እዚ ተደጋጋሚ ግዜ ንባራክ ኦባማ ክወቅስ ድሕሪ ምጽናሕ ከም’ዚ ዓይነት ኣሳእል ክጥቀም ምምራጹ፡ ኣካል ናይቲ ዝሓለፈ ተቓውሞታቱ ምኳኑ’ኳ ዝግለጽ እንተኮነ፡ ኣብ ብርክት ዝበሉ ኣመሪካውያን ግን ዓቢ ነድሪ ፈጢሩ ምህላዉ’ዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዝገልጽ።
ኣባላት ዲሞክራቲክ ፓርት ዝኮኑ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝኮኑ ኣካላት፡ ነቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝፈጸሞ ተግባር ዘሕፍርን ግሉጽ ዓሌታዊነት ዘንጸባርቅ ምስልን’ዩ ብምባል ኩነነኦም ዘስምዑ ኮይኖም፡ ትራምፕ ዝፈጸሞ ተግባር፡ ወላ ውን ኣብ ደገፍቱ ናይ ኣድልዎ ስምዒት ምፍጣሩ’ዩ ዝእመን።
እቲ ኣብ ክልቲኦም ፖለቲካዊ ወገናት ሪፓብሊካንን ዲሞክራትን ዓቢ ቁጥዐ ዝፈጠረ ቪዲዮ፡ ድሒሩ ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትራምፕ ከምዝተኣልየ እኳ እንተተገልጸ፡ ኣቀዲሙ ዝተጋነነ’ዩ ክብል ዝገለጾ ምምሕዳር ዋሽንግተን፡ እቲ ቪድዮ ብጌጋ ብሓደ ሰራሕተኛ ዝተለጠፈ’ዩ ምባሉ ግን፡ ተወሳኺ ቁጥዐ ፈጢሩ ምህላዉ’ዩ ሓበሬታ CNN ዘረድእ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብድምጺ ብልጫ ዳግማይ ናብ ስልጣን ዝተመልሰ ዶናልድ ትራምፕ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣሰንባዲ ተግባራት ኣብ ምፍጻም ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ፕረዚደንት ዝከዶ ዘሎ ኣካይዳ፡ ኣብ ብዙሓት ኣመሪካውያን ጌጋ ምርጫ ኢና ወሲድና ዝብል ስምዒት ይፈጥር ምህላዉ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።