መንግስቲ ሱዳን፡ ካብ ኢትዮጵያ ብዝብገሱ ዕጡቃትን ድሮናትን ይጥቃዕ ምህላዉ ገሊጹ።
ነዚ ዝገለጸ ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይተደልየ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሱዳን፡ ንጋዜጣ “ሱዳን ትሪቡን” ቧብ ዝሃቦ ቃል ኮይኑ፡ እቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝከፈቱ ዕጡቓት፡ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ተባሂሉ ካብ ዝፍለጥ መሬት ኢትዮጵያ ተበጊሶም፡ ነቲ መጥቃዕቲ ይፍጽምዎ ምህላዎም ምጥቃሱ፡ ክሲ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ገና መፍትሒ ዘይተረክቦ ግጭት ዝያዳ ኣተሓሳሳቢ ክኸውን ገይርዎ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።
ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ከባቢ ዶባት ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝን ግዝኣት ብሉ ናይል ሱዳንን፡ ከቢድ ግጭት ተወሊዑ ምህላዉ፡ ኣብ’ቲ ሓበሬታ ዝተጠቅሰ ኮይኑ፡ ብሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ ሱዳን RSFን፡ ምንቅስቃስ ሓርነት ህዝቢ ሱዳን-ሰሜን SPLM-Nን ዝቖመ ሓባራዊ ሰራዊት፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሱዳን መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ ኩርሙክን ዴም መንሱርን ዝተባህላ ክልተ ወሰንቲ ከተማታት ከምዝተቖጻጸሩ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እቲ መጥቃዕቲ ካብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ይብገስ ምህላዉ’ዩ እቲ በዓል ስልጣን መንግስቲ ሱዳን ዝኸስስ።
እቲ ስሙ ክጥቀስ ዘይተደልየ በዓል ስልጣን ወሲኹ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ደገፍ ዝህባ ዘለዋ ድሮናት፡ ካብ’ቲ ኣብ ዞባ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ዝርከብን፡ ብሕቡራት ዓረብ ኤምሬትስ ከምዝምራሕ ዝንገረሉን ወታደራዊ መዓስከር ዝተበገሳ እየን ክብል ዝከሰሰ ኮይኑ፡ ዝተፈነወሉ መጥቃዕቲ፡ ብኢትዮጵያን ኢማራትን ዝድገፍ ናይ ወጻኢ ወራር’ ብምባል’ዩ ኮኑንዎ ዝርከብ።
3ይ ዓመቱ ክሕዝ ናይ ኣዋርሕ ዕድመ ተሪፍዎ ዝርከብ ግጭት ሓድሕድ ሱዳን፡ ብድልየት ናይ ደገ ሓይልታት ዝምራሕ ናይ ውክልና ኲናት ምኳኑ ተደጋጋሚ ግዜ ክግለጽ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብጉጅለ ህግደፍ ግብጽን ሱዕድያን ዝድገፍ ሰራዊት ሱዳንን፡ ብኢትዮጵያን ኢማራትን ዝድገፍ ሓይሊ ዳዕመል ሰሪዕን፡ ሂወት ልዕሊ 100 ሽሕ ሱዳናውያን ዝወሰደን፡ ልዕሊ 12 ሚልዮን ህዝቢ ዘፈናቀለ ኲናት ብምክያድ፡ ሱዳን ኣብ ምዕናው ይዋሱኡ ምህላዎም’ዮም ዝኽሰሱ።