ኢትዮጵያ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሃገራ ኣቢላ ናብ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዝለኣኸቶ መልእኽቲ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ መሬት ኢትዮጵያ ክወጽእን፡ ጉጅለ ህግደፍ ንኩለንተናዊ ዘተን ልዝብን ድሉው ክኸውንን ጻውዒት ኣቅሪባ።
እቲ ብመንገዲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ጊዴዮን ጢሞትዮስ ዝተላእከ ደብዳበ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም 07 ለካቲት 2026 ዝተጻሕፈን፡ ናብ ሚኒስተር ጉጅለ ህግደፍ ዑስማን ሳልሕ ዝተላእከ ምኳኑ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ኤርትራ ብወገን ከባቢታት ሰሜናዊ ምብራቕ ኢትዮጵያ፡ ሉኡላዊ ዶባት ጥሒሳ ተቘጻጺራ ምህላዋን፡ ጉጅለ ህግደፍ ንልኡላውነትን ግዛኣታዊ ሓድነት ኢትዮጵያን ካብ ምግሃስ ክቝጠብ ብተደጋጋሚ ግዜ ዝቀረበ ጻውዒት ውን፡ ከምዘይተዓወተ ብምጥቃስ፡ ጉጅለ ህግደፍ ሰራዊቱ ካብቲ ከባቢታት ብህጹጽ ከውጽእን፡ ንዘተ ቅሩብ ክኸውንን”ዩ ዝጽውዕ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ደብዳቡኡ፡ እዚ ሕቶ’ዚ ተቐባልነት እንተረኺቡ፡ ኩሎም ናይ ሓባር ረብሓ ዘለዎም ጉዳያት፡ እንተላይ ኣገልግሎት ባሕርን ጉዳይ ወደብ ዓሰብን ንምፍታሕ፡ ኣብ ሰናይ ድሌት ዝተመርኮሰ ዝርርብ ንምክያድ፡ ድሉው ምዃኑ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ይኩን እምበር ካብ ጉጅለ ህግደፍ ዝኮነ ይኩን ግብረመልሲ ከምዘይተዋህበ”ዩ እቲ ዘሎ ሓበሬታ ዘረድእ።
ኤርትራ ሰራዊታ ብቕልጡፍ ክትስሕብን፡ ንሰላማዊ ዝርርብ ድልውቲ ክትከውንን ብግልጺ ንጽውዕ ዝበለ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሕቱኡ ኣወንታዊ ምላሽ እንተረኺቡ፡ ሰለማዊ መፍትሒ ንምንዳይ ተቐሪቡ ምህላዉ’ዩ ዘረጋግጽ።
ኣብ’ቲ ክስን ጻውዒት ሰላምን ዝሓወሰ ደብዳበ፡ ኤርትራ ንዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጕጅለታት ኢትዮጵያ ቀጥታዊ ንዋታዊ ደገፍን ሓገዝን ትገብር ኣላ ዝብል ክሲ ውን ተጠቒሱ ምህላዉ ዝተፈልጠ ኮይኑ፡
ጉጅለ ህግደፍ ዝድግፎም ዘሎ ዕጡቓት ጕጅለታት፡ ኣስማቶም ብወግዒ’ኳ እንተዘይተጠቅሰ፡ ቅድሚ ዝተወሰነ ኣዋርሕ ጉጅለ ህግደፍ ንዕጡቓት ሓይልታት ህወሓትን ፋኖን ይድግፍ ኣሎ ዝብል ክሲ፡ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀሪቡ ምንባሩ ግን ኣይርሳዕን።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ደብዳበኡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዝተዓዘብናዮ ምዕባለታት፡ መንግስቲ ኤርትራ ዝያዳ ኣዕናዊ መንገዲ ከም ዝመረጸ ዘመልክት’ዩ ክብል ዝኸሰሰ ኮይኑ፡ ሰራዊት ኤርትራ ብዶባት ሰሜናዊ ምብራቕ ናብ መሬት ኢትዮጵያ ብምእታው፡ ምስ ዕጡቓት ጕጀለታት እታ ሃገር ዘካይዶ ዘሎ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ስርሒታት፡ ምጥሓስ ሕጊ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ፍጹም ወራር ውን’ዩ ክብል ኮነኑኡ ኣቅሪቡ ዝርከብ።
እዚ ዘይቅቡል ኵነታት ንከኽትም፡ ጉጅለ ህግደፍ ሰራዊቱ ብቕልጡፍ ካብ መሬት ኢትዮጵያ ከውጽእን፡ ምስዞም ጕጅለታት ዝገብሮ ዘሎ ምትሕብባር ከቋርጽን ንጽውዕ ዝበለ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡
ንዝሓለፈ ልዕሊ ፍርቂ ዘመን ክልቲአን ሃገራት ኣብ ኵነታት ግጭትን ወጥሪን ከም ዝጸንሓ ብምጥቃስ፡ እዚ ናይ ግጭት ዕንክሊል፡ ብዘተን ዲፕሎማስያዊ ጻዕርን ክፍታሕ ከም ዝከኣል ብምምልካት፡ ኤርትራ እወታዊ ምላሽ እንተሂባ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍልልያቱ ብሰላማዊ ልዝብ ክፈትሕ ድሉው ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ነዚ ካብ ኢትዮጵያ ዝበጽሖ ደብዳበ ኣመልኪቱ፡ ዝኮነ ይኩን ወግዓዊ መግለጺ ካብ ምሃብ ተቆጢቡ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ዓለም ምሉእ ነቲ ኢትዮጵያ ዝጸሓፈቶ ስጋኣት ኲናት ዘነጽር ደብዳበ እናተቀባበሎ፡ ጉጅለ ህግደፍ ክሳብ ሎሚ ስቅ ክብል ምምራጹ፡ ህግደፍ ሓለፍነት ዘይስምዖ ጉጅለ ምኳኑ ዘመልክት’ዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣቀዲሙ ክቀርበሉ ንዝጸንሐ ክስታት፡ ምጽሕታር ኲናት ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ኢትዮጵያ ክትውልዖ ንዝደለየት ኲናት ምክንያታዊ ንምግባሩ እተቅርቦ ዘላ ክሲ ክብል ነጺግዎ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ እዚ ብቀዳም ናብ ጉጅለ ህግደፍ ዝተላእከ ደብዳበ ግን፡ ካብቲ ዝቀደመ ብዝከፈአ ስጋኣት ኲናት ኣብ ጫፍ ምብጽሑ ዘነጽር’ዩ።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ውን ጉጅለ ህግደፍን ህወሓትን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኲናት ንምክያድ ብሓባር ይሰርሑ ኣለዉ ክብል ከሲሱ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ እዚ ብቀዳም ዝተላእከ ደብዳበ ግን፡ እቲ ወጥሪ በጺሕዎ ንዘሎ ሓደግኛ ደረጃ ዘመልክት’ዩ።