ቤት ጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን ክልል ኣምሓራ፡ ትማኢ ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ እዋናዊ መግለጺ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ግጭት፡ ምስ “ሻዕብያ” ዝግበር ዘሎ ውግእ ምዃኑ ገሊጹ።
እቲ ቤትጽሕፈት ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታኡ ኣቢሉ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ነቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ይኹን ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ካብ ወተሃደራዊ መምርሒ ክሳብ ናይ ሎጀስቲክ ስንቂ ብምቅባል ዝመርሖ ዘሎ፡ ብሻዕብያ ዝምራሕ ናይ ኣስመራን መቀለን ሓይሊ’ዩ ዝበለ ኮይኑ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡ ህዝቢ ክልል ኣምሓራ ከኣ ብፍላይ ምንጪ እቲ ግጭት ብንጹር ክርዳእን፡ ምስ ሻዕብያ ንዋጋእ ምህላውና ክፈልጥን ይግባእ ክብል’ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
መግለጺ ቤትጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን ክልል ኣምሓራ ወሲኹ፡ እቲ ወልቃይት፡ ጸለምትን ራያን ንምውራር ዝህንጠ ዘሎ ናይ ኣስመራን መቀለን ሓይሊ፡ ንዕጡቅ ሓይሊ ፋኖ ፍሉይ ተልእኾ ሂቡ ምህላዉ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ፋኖ ኣብ ኣብ ውሽጢ ሃገር ግጭት ብምፍጣር፡ እቲ ናብ ዶባት ክኸይድ ዝግበኦ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተወጢሩ ከም ዝተሓዝ ብምግባር፡ ናይ ሻዕብያን ህወሓትን ሓይሊ ብዘይጸገም ናብ ወልቃይት ዛኣትወሉ ዕድል ንምፍጣር ይሰርሕ ምህላዉ ዝከሰሰ ኮይኑ፡ ዕጡቃት ክልል ኣምሓራ ናይ ካልእ ሃገር ተልእኾ ይፍጽሙ ምህላዎም’ዩ ዝገልጽ።
ኣብ መደምደምታ፡ ህዝቢ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ውዲት ተረዲኡ፡ ምስ መንግስትን ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ክስለፍ ጻውዒት ዘቅረበ እቲ ቤትጽሕፈት፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዘይወግዓዊ ኲናት ኣትዩ ምህላዉ’ዩ ዝገልጽ።
እዚ ከምዚ’ኢሉ እንከሎ፡ ላዕለዋይ ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ክሃድእ ኣተሓሳሲቡ።
ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክ ኣብ ቃላቱ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ተኸሲቱ ዘሎ ስጋኣት ጸጥታን ሰብኣዊ መሰላትን “ኣተሓሳሳቢ’ዩ” ክብል ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኩሎም ወገናት ነቲ ወጥሪ ንምህዳእን ተዛማዲ ሰላም ንምፍጣርን፡ ህጹጽ ስጉምቲታት ክወስዱ’ዩ ጻውዒቱ ዘቅርብ።
እቲ ኮሚሽነር ትማሊ ኣብ ዘውጾኦ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ጸጥታ ትግራይን ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተወልዐ ግጭት፡ ንቅልውላው ሰብኣዊ መሰላት ሰሜን ኢትዮጵያ ዝያዳ ከጋድዶ ከም ዝኽእል ዘጠንቀቀ ኮይኑ፡ እቲ ኩነታት ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ኣዝዩ ተሃዋሲ ኩነታት ምህላው ብምጥቃስ፡ እቲ ኩነታት ዝያዳ እንተብኢሱ ኣብ’ቲ ክልል ተኸሲቱ ዘሎ ኣተሓሳሳቢ ኩነታት ሰባኣዊ መሰል ከጋድዶ ይክእል’ዩ ዝብል ዓቢ ስጋኣት ምህላዉ’ዩ ዝገልጽ።