ትማሊ ሓሙስ 12 ለካቲት 2026፡ ካባቢ ሰዓት 10 ምሸት ኣብ ከተማ መቐለ ከቢድ ነትጒ ከምዝተሰምዐ፡ ካብ ነበርቲ እታ ከተማ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ጠንቂ እቲ ትማሊ ምሸት ዝተሰምዐ ከቢድ ነትጒ እንታይ ምኳኑ ዘረድእ፡ ንጹር ሓበሬታ ከምዘየለ ዝገልጹ ነበርቲ ከተማ መቐለ፡ ኣብ ሰብ ዘብጽሖ ጉዳኣት ኣሎ ‘ዶ የለን ውን ንጹር ከምዘይኮነ ብምጥቃስ፡ ኣብ ህዝቢ እታ ከተማ ግን ስንባደ ምፍጣሩ’ዮም ዝገልጹ።
ህዝቢ ከተማ መቐለ ዝቀነየ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ትሕቲ ከቢድ ሻቅሎት ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ብወገን ወረዳ ጸለምቲ ድሕሪ ዝተፈጥረ ግጭት ጥራሕ፡ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ካብቲ ከባቢ ክርሕቅ ምጽንሑ’ዩ ዝንገር።
ምስዚ ብዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ሎጂስቲክ ናይ ምእካብ መምርሒ፡ ናብ ወረዳታትን ከተማታትን ተዘርጊሑ ምህላዉ፡ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ናብ ከተማ ደደቢት ኣብ ዝተጻሕፈ ደብዳቤ፡ ብገንዘብ ይኹን ብካልእ ነገር ሎጂስቲክስ ክእከብ ትእዛዝ ወሪዱ ምህላዉ ዝገልጽ እቲ ሓበሬታ፡ እዚ ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ኩነታት ወግዓዊ ናይ ኲናት ምድላዋት ክኸውን ከምዝክእል’ዩ ዝእመን።
ኣቦ ወንበር ውድብ ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብወገኑ፡ በዓል 11 ለካቲት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ውዕል ፕሪቶርያ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ውዕል ምንባሩ ድሕሪ ምጥቃሱ፡ መንግስቲ ፌደራል ተኹሲ ብምኽፋት ነቲ ስምምዕ ኣፍሪስዎ’ዩ ክብል ዝኸሰሰ ኮይኑ፡ ጻውዒት ሰላም እንተተረጊጹ ዝኾነ ተወላዲ ትግራይ ስቕ ክብል ከምዘይኮነ ብምጥቃስ፡ ብወገን ትግራይ ግብረመልሲ ናይ ምሃብ ድልዉነት ኣብ ቦቱኡ ምህላዉ’ዩ ገሊጹ ዝርከብ።