ብደረጃ ዓለም ኣብ መንግስታውያን ትካላት ንዝፍጸም ብልሽውና ዝከታተልን፡ ዓመታዊ ጸብጻቡ ዘቅርብን ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል፡ ኣብ ናይ 2025 ዓመተምህረት ጸብጻቡ፡ ኤርትራ ብደረጃ ብልሽውና ኣብ ቅድሚት እትስራዕ ሃገር ምኳና ገሊጹ።
ጸብጻብ ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል፡ መጠን ብልሽውና 182 ሃገራት ኣብ ግምት ብምእታው ዝተቀመጠ ኮይኑ፡ ሓበሬታ ዘይትረክበላ ሃገር ክብል ዝጠቅሳ ኤርትራ፡ ብብልሽውና ኣዝየን ካብ ዝተጠቕዓ ቀዳሞት ሃገራት ዓለም ሓንቲ ምኳና’ዩ ዝገልጽ።
ብጉጅለ ህግደፍ ኣብ ትሕቲ ሕሱም ምልካዊ ምሕደራ እትርከብ ኤርትራ፡ 13 ካብ 100 ጥራሕ ብምርካባ፡ ሓንቲ ካብተን ብብልሽውና ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ዝርከባ ሃገራት ዓለም ምኳና ዝጠቀሰ እቲ ትካል፡ ኬንያ 30 ካብ 100፡ ሱዳን ድማ 14 ካብ 100 ብምምዝጋብ፡ ሃገራት እዚ ዞባ ዳርጋ ኣብ ተመሳሳሊ ደረጃ ምህላወን’ዩ ዝገልጽ።
ሶማልያን ደቡብ ሱዳንን ብተመሳሳሊ፡ 9 ካብ 100 ነጥቢ ብምምዝጋብ፡ ካብ 182 ሃገራት ዓለም፡ ብመጠን ብልሽውና ኣብ መወዳእታ ተሰሪዐን ምህላወን ወሲኹ ዝገለጸ ጸብጻብ ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል፡ ኢትዮጵያ ምስ ጐረባብታ ዝኮና ሃገራት ብምንጽጻር ኣብ ዝሓሸ ምህላዋ’ዩ ዝጠቅስ።
ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል፡ ኢትዮጵያ ካብ 182 ሃገራት ዓለም፡ ኣብ መበል 96 ደረጃ ምህላዋ ዋላ’ኳ እንተጠቀሰ፡ ኣብ 2025 ብዝተኣከበ ናይ ነጥቢ መዐቀኒ መጠን ብልሽውና ግን፡ 38 ካብ 100 ጥራሕ ብምርካባ፡ ዓለማዊ ማእከላይ ውጽኢት ተባሂሉ ካብ ዝተቀመጠ 42 ካብ 100 ወሪዳ ምህላዋ’ዩ ወሲኹ ዘረድእ።
ትሕተ-ሳሃራ ተባሂለን ኣብ ዝፍለጣ ሃገራት ዘሎ ማእከላይ ነጥቢ፡ 32 ካብ 100 ምኳኑ ዝጠቀሰ ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል፡ ኤርትራ 13 ካብ 100 ጥራሕ ምርካባ፡ ብጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ኩሉ ዓይነት ናይ ብልሽውና ተግባራት፡ ኣብ ኣዝዩ ዝወረደ ኩነታት ምህላዉ’ዩ ዝረድእ።
ኣብ ትሕቲ ገበናውያን ትካላት ጉጅለ ህግደፍ ዝሰርሑ ኣካላት፡ እሱር ንምብጻሕ፡ ካብ ቤትማእሰርቲ እሱር ንምውጻእ፡ ወረቀት መንቀሳቀሲ ንምስላጥ፡ ንምጥያስ፡ ፓስፖርት ንምሃብን ካልእን እልቢ ዘይብሉ ገንዘብ ካብ ህዝቢ ከምዝቅበሉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ መንግስቲ’የ ዝብል ጉጅለ ህግደፍ ውን ንባዕሉ፡ ብዘይካ’ቲ ካብ ህዝቢ ዝእክቦ 2% ናይ ጣዕሳ ክፍሊት፡ ብህንጸት ኣባይቲ ኣመካንዩ ዝወሰዶ ገንዘብ ዜጋታት ኣብ’ዚ ኣትዩ ዘይብሃል ከምዝበልዖ ዝፍለጥ’ዩ።