ውጥረት ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ ዝኮነ እዋን ንላዕሊ በሪኽሉ ኣብ ዘሎ ሰዓት፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን ሃገራት ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃን ሃገራት ዓረብን፡ ናብ ክልቲኤን ሃገራት ምብጻሕ የካይዱ ምህላዎም፡ ንደረጃ ናይቲ ኣብ ጫፍ በጺሑ ዝርከብ ስጋኣት ኲናት ዘንጸባርቅ ምኳኑ ተገሊጹ።
እዚ ዝካየድ ዘሎ ምብጻሕ ዓበይቲ ሰበስልጣናት፡ ግብጽን ኢትዮጵያን ብጉዳይ ዓባይ ግድብ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ፡ ትግራይን መንግስቲ ፈደራልን ከኣ ብጉዳይ ዘይተፈትሐ ግጭት ትግራይን ውዕል ፕሪቶርያን ተፋጢጦሙሉ ዘለዉ ሰዓት ይካየድ ምህላዉ፡ ጌና መዕለቢ ንዘይረኸበ ጉዳይ ሱዳን ሓዊስካ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወሳኒ ዲፕሎማሲያዊ ትርጉም ክህልዎ ከምዝኮነ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ኢማራት፡ ሱዕዲ ዓረብ፡ ግብጽን ቱርክን ቀጥታዊ ተሳትፎ የርእያ ብምህላወን ውን፡ እቲ ወጥሪ ዝሃድኣሉ ኩነታት ክፍጠር ይኽእል’ዩ ዝብል ተስፋ ምህላዉ’ዩ ዝእመን።
ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዕዲ ዓረብ ልዑል ፋይሰል ቢን ፋርሓን፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን መንግስቱን፡ ኣብ ክልተኣዊ ከምኡ’ውን ዞባዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ከም ዝተዘራረቡ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ዝርዝር ትሕዝቶ ዘተ ክልቲኤን ሃገራት ብግልጺ እኳ እንተዘይተነግረ፡ ጉዳይ ሱዳን ግብጽን ኤርትራ ክኸውን ከምዝኽእል’ዩ ዝእመን።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ጌድዮን ጢሞቴዎስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ስዑዲ ዓረብ ተጓዒዙ፡ ምስ ልዑል ፋይሰል ቢን ፋርሓን ተራኺቡ ምዝታዩን፡ ክልቲአን ሃገራት ሰላምን ምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምሕላው ብሓባር ክሰርሓ ከም ዝተሰማምዓን ኣብ ግዚኡ ተገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ሱዕዲ ዓረብ ምስ ኢማራት ዘለዋ ምትፍናን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ጉዳይ ሱዳን ግብጽን ኤርትራን ዓቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ምህላዉ’ዩ ዝእመን።
ፕሬዝዳንት ቱርኪ ረሲፕ ታይፕ ኤርዶዋን ብወገኑ፡ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ናብ ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ክገይሽ መደብ ከምዘለዎ ብመራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ቤት ምኽሪ ሃገሩ ተረኺቡ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ስዑዲ ዓረብን ግብጽን ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከም ዝገበረ ብምጥቃስ፡ ብዲፕሎማሲያዊ መንገዲ ሰላም ናይ ምስፋን ዕላማ ንምዕዋት፡ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ውን ናብ ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ናይ ምጋሽ መደብ ምሓዙ’ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ምኽትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ኢንጂነር ወሊድ ዓብደልከሪም ብወገኑ፡ ትማሊ 12 ለካቲት 2026 ናብ ኣስመራ ተጓዒዙ ምስ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ከምዝተራከበን ኣብ ክልተኣዊ ሽርክነት ከምዝዘተየን ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ሽርክነት ውልቀመላኺ ኢሰያስ ኣብ ውግእን ወረውግእን ዝምርኮስ ብምኳኑ ግን፡ እቲ ብኩሉ ኣንፈት ዝካየድ ዘሎ ዘተን ሽርክነትን፡ ምስ ጉዳይ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝተኣሳሰር ምኳኑ’ዩ ዝንገር።
ፖከቲካዊ ረብሓን ኣሰላልፋን ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ብዝተፈልየ መልክዑ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኢድ ሃገራት ዓረብ ወዲቁ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ንግብጺ መንግስቲ ቡርሃንን ኤርትራ ዘሰለፈ ናይ ሱዕዲ ዓረብ ጥምረት፡ ምስቲ ብኢማራት ዓረብ ዝምራሕ ናይ ኢትዮጵያን ዳዕመል ሰሪዕን ጥምረት ኣብ ምፍጣጥ ምህላዉ ዝፍለጥ’ዩ።