መርበብ ሓበሬታ ሮይተርስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምስጢራዊ መዓስከር ዕጡቓት ዳዕመል ሰሪዕ ከምዘሎ ድሕሪ ምቅልዑ፡ ናይጋዜጠኝነት ፍቓዱ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተሰሪዙ።
ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ፡ ኢትዮጵያ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብምትሕብባር፡ ንዕጡቕ ጉጅለ ዳዕመል ሰሪዕ ዘሰልጥን ምስጢራዊ መዓስከር፡ ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ከምዝሃነጸት ዝገልጽ ጸብጻብ፡ ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታ ሮይተርስ ምቅልዑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ በዚ ዜና’ዚ ዝተቆጠዐ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኢትዮጵያ ንትካል ዜና ሮይተርስ ዝሃበቶ ናይ ስራሕ ፍቓድ ብምስራዝ፡ እቲ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኑ ሓበሬታ ከየመሓላልፍ ምእጋዱ’ዩ ዝንገር።
ሮይተርስ ንምስጢራዊ መዓስከር ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ምስጢራዊ ጸብጻቡ፡ ኣባላት ስለያን ድሕንነትን፡ ዲፕሎማሰኛታት፡ ሰበ-ስልጣንን መንግስትን፡ ናይ ሳተላይት ምስልታትን ከም መርትዖ ብምጥቃም፡ ብዛዕባ እቲ ምስጢራዊ ስፍራ ተኸዊሉ ዝጸንሐ ብዙሕ ሓበሬታ ምቅልዑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀጥታዊ ናይ እገዳ ትእዛዝ ከምዝተቀበለ’ዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዝረድእ።
እቲ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሶሳ ኣብ ናይ 53 ኪሎ ሜትር ርሕቀት ዝርከብ መዓስከር፡ ብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያውያን መንእሰያት ዝርከብዎም ልዕሊ 4,300 ዕጡቃት ኣባላት ዳዕመል ሰሪዕ፡ ወተሃደራዊ ስልጠና ከምዝሃበ ጸብጻብ ሮይተርስ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ምንጪ ምሉእ ባጀትን ሎጂስቲክስን ናይ’ቲ መዓስከር ውን፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምዃና ምጥቃሱ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዘቆጥዑ’ዩ ዝእመን።
ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢማራት ብወገኑ፡ ኣብ ኲናት ሱዳን ኢድ የብልናን ብምባል፡ ነቲ ብመንገዲ ማዕከን ሓበሬታ ሮይተርስ ዝተቃልዐ ምስጢራዊ መዓስከር፡ ክክሕዶ ዝተሰምዐ ኮይኑ፡ ዝኮነ ይኩን ግብረመልሲ ዘይሃበት ኢትዮጵያ ግን፡ ማዕከን ሓበሬታ ሮይተርስ ካብ ሃገራ ክወጽእ ምእዛዝ፡ ዘይቀጥታዊ መልሲ ምኳኑ’ዩ ዝግለጽ።
ኣብ’ዚ ሰሙን እዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝካየድ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምክትታል፡ ናይ ፍቃድ ባጅ ረኪቦም ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ሮይተርስ፡ ዝረክርብዎ ፍቃድ ተሓዲጎም፡ ዝኮነ ይኩን ካብ ምባል ክቁጠቡ ተነጊርዎም ህላዉ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ወሃቢ ቃል ሮይተርስ ንኣዲስ ስታንዳርድ ኣብ ዝሃቦ ናይ ጽሑፍ ግብረመልሲ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ፍቃድ ሰለስተ ጋዜጠኛታት ንምሕዳስ ፍቓደኛ ከምዘይኮነን፡ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምክትታል ዝተዋህበ ፍቓድ ሮይተርስ እውን ከምዝሰረዞ’ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይተደልየ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን መንግስቲ ሱዳን፡ ካብ ኢትዮጵያ ብዝብገሳ ድሮናት ንጥቃዕ ኣለና ብምባል፡ ኢትዮጵያ ኣብ ግጭት ሱዳን ብቀጥታ ትሳተፍ ኣላ ክብል ከሲሱ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ እቲ ምስጢራዊ መዓስከርን መዕርፎ ነፈርትን ብሮይተርስ ምቅልዑ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዓቢ ዲፕሎማሲያዊ ክሳራ ኮይኑ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።