ፕሬዝዳንት ሶማል ሓሰን ሼኽ ሞሓሙድ፡ ገለ ጎረባብቲ ሃገራት ሶማል፡ ነቲ እስራኤል ንሶማሊላንድ ዝሃበታ ኣፍልጦ ሃገርነት፡ ንረብሓአን ክብላ ይድግፋኦ ኣለዋ ክብሉ ከሲሱ።
እቲ ፕሬዝዳንት ነዚ ዝገለጸ፡ “አሽራቅ አል-አውሳጥ” ምስ ዝተባህለት ኣብ ለንደን እትሕተም ናይ ዓረብ ጋዜጣ ኣብ ዝገበሮ ቃለምሕተት ኮይኑ፡ ጎረቤት ሶማል ዝኮና ገለ ሃገራት፡ ውልቃዊ ረብሐአን ንምርግጋጽ ጥራሕ፡ ነቲ እስራኤል ንሶማሊላንድ ዝሃበታ ኣፍልጦ ይድግፎኦ ምህላወን ዝኸሰሰ ኮይኑ፡ እተን ሃገራት በዓል መን ምኳነን ግን ብስም ክጠቅስ ኣይተሰምዐን።
ኣስማት ሃገራት ክጠቀስ ዘይመረጸ ፕሬዝዳንት ሓሰን ሸክ መሓመድ ኣብ ቃላቱ፡ ገለ ሃገራት ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቂመን፡ ሓድነት ዓባይ ሶማሊያን፡ ምርግጋእ እቲ ዞባን ኣብ ሓደጋ ብምእታው፡ ጸቢብን ንናይ ሓጺር ግዜ ረብሓ ጥራሕ ዝጠመተን ምርጫ ኣልዒለን ምህላወን ዝከሰሰ ኮይኑ፡ እስራኤል ንዝወሰደቶ ታሪኻዊ ጌጋ፡ ረብሓ ክንረኽበሉ ንክእል ኢና ብምባል ይስዕቦኦ ምህላወን ብምጥቃስ’ዩ ካብ ተግባረን ክቁጠባ ዝጽውዕ።
እስራኤል ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚራ፡ ነታ ሶማል ከም ኣካል ግዝኣታ እትጥምታ ሶማሊላንድ፡ ኣፍልጦ ሃገርነት ድሕሪ ምሃባ፡ ሓድነት ሓንቲ ሶማል ዝድግፋ ብርክት ዝበላ ሃገራትን ትካላትን፡ ተቓውሞአን ክገልጻ ምጽንሐን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያን ኬንያን ግን ዝኮነ ይኹን መልሲ ካብ ምሃብ ተቆጢበን ብምህላወን፡ ክሲ እቲ ፕረዚደንት ናብ ክልቲኤን ዝጠመተ ክኸውን ከምዝክእል’ዩ ዝንገር።
ልኡላውነትን ግዛኣታዊ ሓድነትን ሃገሩ፡ ፍጹም ክጥሓስ ዘይግበኦ “ቀይሕ መስመር” ምዃኑ ኣብ ቃላቱ ዘጠንቀቀ ፕረዚደንት ሓሰን መሓመድ፡ መንግስቲ ሶማል ልኡላውነት ሃገሩ ንምሕላው ዝተፈላለዩ ፖሊሲታት ይጥቀም ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ጎረባብቲ ሶማል ታሪኻዊ ጌጋ ካብ ምፍጻም ክቁጠባ’ዩ ዝጽውዕ።
ሶማሊላንድ ንዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት፡ ብገዛእ ርእሱ ዝመሓደር መንግስቲ መስሪታ ሃገር’የ ኣብ ምባል እኳ እንተበጽሐት፡ ብዘይካ እስራኤል ግን ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዝሃበታ ሃገር ኣይረኸበትን።