4X-CNZ መለለዪ ቁጽሪ ዝተዋህባን፡ ምስ ትካል ስለያን ድሕንነት ሞሳድ ርክብ ከምዘለዋን ዝተነግረላ Hawker 800XP ዝዓይነታ ናይ ብሕቲ ነፋሪት፡ ካብ ቴል አቪቭ ተበጊሳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቦሌ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ክትዓለም ከምዝተራእየት ተገሊጹ።
እዛ Arrow Aviation ከም እትመሓደር ዝተገልጸ ነፋሪት፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምእታዋ ን30 ደቒቓ ጥራሕ ከምዝጸንሐት እቲ ሓበሬታ ዘረደአ ኮይኑ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝወጸትሉ ሰዓት ውን ቀጥታ ናብ እስራኤል ከምተመልሰ’ዩ፡ እቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ምክትታል በረራ (Flight Trackers) ብንጹር ዝተቀመጠ ስእሊ ዘርርጋግጽ።
እታ ን30 ደቃይቅ ጥራሕ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣዲስ ኣበባ ዝወረደት ነፋሪት፡ ምኽንያት በረራኣ ብንጹር እኳ እንተዘይተገልጸ፡ ከምዚ ዓይነት ናይ ሓጺር ግዜ በረራ፡ መብዛሕትኡ እዋን ንዓበይቲ ዲፕሎማሲያዊ መልእኽታትን፡ ፍሉያት ናይ ተልእኾ በረራታታ ጥራሕ ዝካየድ ብምኳኑ፡ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቀንዐ ፍሉይ ተልእኮ ክህልዎ ከምዝኽእል’ዩ ዝእመን።
እስራኤል ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብምኳን፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ ረብሓታት ንምውሓስ ኣብ ስቱር ንጥፈታት ምህላዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ካብ’ዚ ዝሓለፈ ቀረባ ሰሙናት ጀሚሩ ግን ብሱዕድን ቱርክን ዝምራሕ ካልእ ጥምረት ኣብ’ዚ ዞባ ብሰፊሑ ይንቀሳቀስ ብምህላዉ፡ ዕላማ እቲ በረራ ምስ’ዚ ጉዳይ ዝተሓሓዝ ከይኮነ ከምዘይተርፍ’ዩ ዝእመን።
እዚ ዜና እዚ፡ ኣብ ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢታት ሰፊሕ ዘተ ክትዕን ኣልዒሉ፡ ዝተፈላለየ ሓሳብን ሪኢቶን ፈጢሩ ዝርከብ ኮይኑ፡ እታ ምስ ሞሳድ ምትእስሳር ከምዘለዋ ዝተገልጸት ፍልይቲ ነፋሪት ድሕሪ ዝተወሰኑ ደቓይቕ ካብ ኣዲስ ኣበባ ምውጻኣ፡ ምስ’ቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ዞባዊ ፖለቲካዊ ውጥረት ተደሚሩ፡ ስጋኣት ዝፈጥር ትርጉም ክህልዎ ከምዝክእል’ዮም ብዙሓት ዝሰማምዑ።