መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ኬንያን ኡጋንዳን ዶብ ክሰግሩ ኣብ ዶብ ሞያለ ዝሓዞም ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብወገን ዶብ ዓሰብ ናብ ኤርትራ ክመልሶም ኣብ ዝፈተነሉ እዋን፡ ጉጅለ ህግደፍ ክቅበሎም ፍቃደኛ ብዘይምኳኑ ካብ ሞትን ጥፋኣትን እኳ እንተድሓኑ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ተበታቲኖም ብምህላዎም ግን፡ ንሸፋቱ ተቓሊዖም ምህላዎም ተገሊጹ።
እቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ክነብሩ ዝጸንሑ ስደተኛታት፡ ካብ 700 ክሳብ ሓደ ሚሊዮን ብር ተከፊልዎም ካብ ኤርትራ ዝወጹ ምኳኖም ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ኣብታ ሃገር ካብ ዘሎ ግፋን ሃድን ኤርትራውያንን ከምልጡ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተታሒዞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምጽንሖም፡ ናብ ኤርትራ ክጥረዙ ከምዝተወሰነን፡ ህግደፍ ሰሪ ምሕንጋዱ ካብ ናይ ሂወት ሓደጋ ምትራፎምን’ዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዝረድእ።
እቶም ኣብ ደቡባዊ ክፋል ክልል ኦሮምያ ተኣሲሮም ዝጸንሑ መንእሰያት፡ ካብ ክልተ ሰሙን ክሳብ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምጽንሖም ዝገልጹ ምንጭታትና፡ ትማሊ 14 ለካቲት 2026 ግን፡ ብመስመር ክልል ዓፋር ናብ ግንባር ዓሰብ ክፋነዉ ኣብ ዶባት ድሕሪ ምብጽሖም፡ ጉጅለ ህግደፍ ክቅበሎም ከምዘይኮነ ብምግላጹ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ተበታቲኖም፡ ንሓደጋ ሸፋቱ ደቂ ሰባት ተቓሊዖም ምህላዎም’ዮም ምንጭታትና ወሲኾም ዝገልጹ።
ናብ’ቲ ዶባት ሒዝዎም ዝበጽሐ ሓይሊ ጸጥታ ሰራዊት ፈደራል፡ ካብ ጉጅለ ህግደፍ ናይ እምቢታ መልሲ ድሕሪ ምቅባሉ፡ ብዘይካ ዝተወሰኑ ሰባት ዝተረፉ ኩሎም ኣብታ ክልል ገዲፍዎም ምህላዉ ወሲኾም ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ እቶም ስደተኛታት ካብ ስቃይን መከራን ጉጅለ ህግደፍ እኳ እንተምለጡ፡ ዳግማይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክምለሱ ግን ብርክት ዝበለ ገንዘብ ክኸፍሉን ወረቀት ክሕዙን ይግደዱ ብምህላዎም፡ ኣብ ስጋኣት ሸፋቱ ወዲቆም ምህላዎም’ዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዘረድእ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሰራዊት ኤርትራ ንከባቢ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓሊፉ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከቡ ወሰንትን ስትራቴጂካውያንን ቦታታትን ዓሪዱ ምህላዉ፡ ሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ The Africa Report ንዝተባህለ ማዕከን ሓበሬታ ኣብ ዝሃቦ ቃል ገሊጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ካብ ዓርቢ ሰዓት 7 ምሸት ኣትሒዙ፡ ሰፊሕ ምንቅስቃስ ሰራዊት የካይድ ምህላዉ ዝጠቀሰ እቲ በዓል ስልጣን፡ በዚ መሰረት ሰራዊት ኤርትራ ብደረጃ ክፍለ ሰራዊት ናብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ተምቤን ኣትዩ ምህላዉን፡ ገለ ክፋል እቲ ሰራዊት ኣብ ዓብይ ዓዲ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ “አሉላ ኣባ ነጋ”፡ ገለ ክፋሉ ከኣ ኣብ ጥቃ’ቲ ብኮሌጅ መምህራን “ጉና” ዝፍለጥ ከባቢ ኣብ ዝርከብ መኽዘናት ዓሪዱ ምህላዉ’ዩ ዝጠቅስ።
ሜካናይዝድ ሓይልን ከቢድ መሳርሒታትን ዝዓጠቐ ካልእ ክፍሊ ሰራዊት፡ “ጭኔ” ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ቦታ ዕርዲ ሒዙ ምህላዉ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ፡ ጉጅለ ህግደፍ ንህወሓት ኣብ ቅድሚት ኣሰሊፉ፡ ዳግማይ ህልቂት ክፍጽም ኣብ ተጠንቀቕ ምህላዉ’ዩ ዝኸስስ።