ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ዓበይቲ ሃገራት፡ ዝተፈላለየ ኣማራጺ ወደብ ከምዘድልየን ብምጥቃስ፡ ሃገሩ ዋንነት ወደብ ብሰለማዊ መንገዲ ናይ ምዕዋት መደብ ከምዘለዋ፡ ንባይቶ ሕብረት ኣፍሪቃ ገሊጹ።
ከም ኢትዮጵያ ልዕሊ 130 ሚልዮን ህዝቢ ዘለወን ሃገራት፡ ዘላቒ ዕብየትን ልምዓትን ንምርግጋጽ፡ ዝተፈላለዩ ወደባት ከምዘድልየን ዝጠቀሰ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ሃገሩ ነዚ ውጥን እዚ ንምዕዋት፡ ሰለማዊ ጉዕዞ ጀሚራ ምህላዋ’ዩ፡ ኣብ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዝገልጽ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ኣብ መበል 39 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ብሰላማዊ ምትሕብባር ውሑስ ተበጻሕነት ባሕሪ ምርግጋጽ፡ መሰረታዊ ኣምር ምኳኑ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ኣበጊሳቶ ዘላ
ኣፍደገ ባህሪ ናይ ምርካብ መደብ፡ ዓለምለካዊ ኣፍልጦ ክወሃቦ ከምዝደሊ’ዩ ጠቂሱ ዝርከብ።
ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ንመጻኢ ቁጠባዊ ምዕባለን ነባሪ ምርግጋእን፡ ውሑስ ኣፍደገ ባሕሪ ክረኽባ ኣገዳሲ ምዃኑ ወሲኹ ዝገለጸ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ዓለምለኻዊ ምስግጋር ኢና ንርከብ ድሕሪ ምባሉ፡ ኣብ’ዚ ርጉኡነት ዝጠፍኣሉ ዘመን፡ ሓይሊ ኣፍሪቃ ኣብ ርእሰ-ምትእምማንን ብሓባር ኣብ ዝቀውም ሓድነትን ከም ዝምርኮስ’ዩ ዝገልጽ።
ኢትዮጵያ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ድሌት ከምዘለዋ ተደጋጋሚ ግዜ ክገልጽ ዝጸንሐ ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣቀዲሙ ውን 130 ሚልዮን ህዝቢ “እሱር ጂኦግራፊ” ክኸውን የብሉን ምባሉ ዝዝከር ኮይኑ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣፍደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ናይ ህልውና ጉዳይ’ዩ ድሕሪ ምባሉ ውን፡ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ቀጥታዊ ምትፍናን ምእታዉን፡ ኣብ ዝለዓለ ስጋኣት ኲናት ምህላዉን ኣይርሳዕን።
ኢትዮጵያ እተልዕሎ ዘላ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ፡ ብዓለምለካዊ ሕጊ ደገፍ ዘይብሉን፡ ከም ሽፋን ንዘይተርፍ ኲናት ጥራሕ ዝለዓል ምኽንያት ምኳኑን ብዙሓት ዝሰማምዑ ኮይኖም፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ውሽጣዊ ቅልውላው እታ ጉዳይ እታ ሃገር ዓቢ ተራ ዝጻወት ዘሎ ጉጅለ ንምህራም፡ ባሕሪ ከም ምስምስ የቅርቦ ምህላዉ’ዩ ዝእመን።