ስዑዲ ዓረብ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንኢትዮጵያ እትህቦ ዘላ ሓገዛት ብህጹጽ ደው ከተብል ዝጽውዕ መጠንቀቕታ ምልኣኻ ኣል ኣክባር ዝተሰምየ ማዕከን ሓበሬታ ገሊጹ።
ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳበረኸ ንዝመጽእ ዘሎ ወጥሪ ኢማራትን ስዑዲ ዓረብን ንምህዳእ፡ ግብጺ ብምሉእ ሓይላ ትንቀሳቐስ ምህላዋ ወሲኹ ዝገለጸ እቲ ማዕከን ሓበሬታ፡ ኢማራት ንጻውዒት ሱዕዲ ዓረብ መልሲ ዘይምሃባ’ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ጋዜጣ ኣል-ኣኽባር ኣብ ናይ ቅድሚ ትማሊ ጸብጻቡ ከም ዝሓበሮ፡ ፕሬዝዳንት ግብጺ ዓብደልፈታህ ኣል-ሲሲ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ፡ ሽምግልና ጀሚሩ ምህላዉ ዝጠቐሰ ኮይኑ፡ ስዑዲ ዓረብ ኢማራት ንኢትዮጵያ እትገብሮ ዘላ ደገፍ ከተቋርጽ ምሕታታ ውን፡ ምስ’ቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት ዝተኣሳሰር ምኳኑ’ዩ ዝንገር።
ስዑዲ ዓረብ ብፍላይ ነቲ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዘለዋ ርክብን፡ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ እትገብሮ ዘላ ምንቅስቓስን፡ ኢማራት ክትድግፎ ከምዘይተፍቅድ ምጥንቃቃ ዝጠቀሰ እቲ ሓበሬታ፡ ሱዕዲ ዓረብ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝቀላቀል ዘሎ ጽልዋ ኢማራት ንምስዓር ተበጊሳ ምህላዋ’ዩ ዘረድእ።
መግለጺ ስዑዲ ዓረብ፡ “ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንኢትዮጵያ እትገብሮ ዘላ ደገፍ ደው ኣቢላ፡ ኣቀዲሙ ብሃገራት ዓረብ ዝተቐመጠ መትከል ክትስዕብ ኣለዋ ዝበለ ኮይኑ፡ እታ ሃገር ነቲ ብምትሕብባር ኢትዮጵያ ዝከናወን ዘሎ ናይ ኢማራት ኲናት ኣብ ሱዳን፡ ፍጹም ከምዘይትጽመሞ’ዩ እቲ መግለጺ ዘረድእ።
ከም ውጺኢቱ፡ ፕሬዝዳንት ግብጺ ኣል-ሲሲ ነዚ ናይ ስዑዲ ዓረብ መልእኽቲ ሒዙ ናብ ኣቡ ዳቢ ከምዘምርሐ ዝገለጸ ሓበሬታ ኣል ኣክባር፡ ኢማራት ዝኮነ ይኹን ግብረመልሲ ካብ ምሃብ ተቆጢባ ምህላዋ ውን’ዩ ወሲኹ ዘረድእ።