ኣብ ሞንጎ ጉጅለ ህግደፍ ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ፈደራልን እንዳጎሃረ ዝኸይድ ዘሎ ኩነተ ኲናት ኣብ ዝለዓለ መድረኽ በጺሕሉ ኣብ ዘለዎ እዋን፡ ተወሰኽቲ 8 ሰራዊት ዘንቀሳቅሳ መካይን ብወገን ዓዲ ግራት ናብ ኤርትራ ክሰግራ ከምዝተራእያ፡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም።
ብመሰረቲ እቲ ካብ’ቲ ከባቢ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ እተን ብቁጽሪ 8ን ልዕሊኡን ምኳነን ዝተገልጻ ዓበይቲ ተሳሓብቲ በጣሓት፡ ትማሊ ሰኑይ 16 ለካቲት ብወገን ዓዲግራት ናብ ኤርትራ ገጸን ኣምሪሐን ምህላወን ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እተን መካይን ኣብ ዝሓለፈ ደማዊ ኲናት ትግራይ ሰራዊት ኣብ ምንቅስቃስ ይነጥፋ ብምንባረን፡ ሕጂ ውን ሰራዊት ካብ ኤርትራ ናብ ዶባትን ወሰናስን ከባቢታት ትግራይን ንምግዓዝ ነቂለን ክኾና ከምዝኽእላ’ዩ ዝንገር።
ብወገን ባድመ ውን ብተመሳሳሊ፡ ዝተፈላለዩ ኣጽዋር ዝጸዓና 9 ተሳሓብቲ መካይን፡ ናብ ክልል ትግራይ ካኣትዋ ከምዝተራእያ ዝሐበሩ ምንጭታት፡ እቲ ኣብ ከባቢ ዶባት ዝረአ ዘሎ ሓደገኛ ምዕባለታት፡ ነቲ ምስ መንግስቲ ፈደራል ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ኩነተ ኲናት ኣብ ዝለዓለ መድረኽ ኣብጽሒዎ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።
መራሕቲ ህወሓት ዝርከብዎም ሓያሎ ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይን ካልኦት ኣመሓደርትን ውን፡ ብወገን ራማ ኣቢሎም ናብ ኤርትራ ተሳጊሮም ምህላዎም ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ወሰናስን ትግራይ ኣብ ዝርከብ ከባቢታት ኣትዩ ወሰንቲ ስትራተጂካዊ ቦታታት ክቆጻጸር ብምቅናዩ ውን፡ እቲ ስጋኣት ፈጢሩ ዝረከብ ኩነታት ዘይተርፍ እንዳመሰለ ይመጽእ ምህላዉ ዘረጋግጽ’ዩ።
ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት፡ ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ትግራይ ሲቪላዊ ምንቅስቃስ ሰራዊት ይረአ ምህላዉ ዝገለጸ እቲ ምንጪ ሓበሬታ፡ እቲ ኩነታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ስክፍታን ሻቅሎትን ብምፍጣሩ፡ ህዝቢ ትግራይ ስንቂ ኣብ ምኽዛንን ካብ ትግራይ ኣብ ምርሓቅን ምህላዉ’ዩ ወሲኹ ዝጠቅስ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ጉጅለ ህግደፍ ንስእሊ መራሕቲ ኢትዮጵያ ዝረገጸ ቅባኣ ኣብ ባጽዕ ብምዝርጋሕ፡ ንኲናት ዝከውን ስምዒት ይቅስቅስ ምህላዉ ተገሊጹ።
ንኩናትን ወረ ኲናትን ከም ስልቲ ተጠቂሙ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስጋኣት ወራርን ሓለዋ ሉኡላውነት ተኣሲሩ ክነብር ዝመርጽ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ’ቲ ኣብ ባጽዕ ዝተካየድ ጽንብል ስርሒት ፈንቅል፡ ንምስሊ መራሕቲ ኢትዮጵያ ዝረግጽ ስእሊ ሒዙ ምቅራቡ፡ መራኣያ’ቲ ኲናት ንምውላዕ ዘለዎ ህንጡይነት ምኳኑ ተገሊጹ።
እቲ ንባንዲራ ኢትዮጵያን መራሕታን ብኽልተ እግሩ ዝረገጸ ተጋዳላይ ዝሓዘ ስእሊ፡ ኣብ’ዚ ቀረባ መዓልታት ዝኽሪ ኦፕሬሽን ፈንቅል ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዝተዳለወ ኤግዚብሽን ዝቐረበ ኮይኑ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክቱር ጽሊኢ ዘለዎ ጉጅለ፡ ህዝቢ ኤርትራ ድሞክራስን ስርዓተ ለውጥን ተሓሲሙ ብጉዳይ ኢትዮጵያ ተኣሲሩ ንክነብር ብዕላማ ዝገብሮ ምኳኑ’ዩ ዝእመን።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 25 ዓመታት፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ብጃንዳ ወያነ ዝገልጾ ህወሓትን፡ ህዝቢ ትግራይን ከቢድ ናይ ጽልኢ ዘመተ ብምክያድ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጽልኢ ተኣሲሩ፡ ብምኽንያት ውድቀቱ ኤርትራ ንህወሓትን ትግራይን ክኸስስ ደሪክዎ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ነቲ ንልዕሊ 25 ዓመታት ዝሃነጾ ጽልኢ ብደቃይቅ ኣፍሪሱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ቅርሕንቲ ንክስምዖ፡ ርብዒ ዘመን ዘሕለፈ ሰነዳት እንዳገንጸለ ኲናት ይሕንክር ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ትማሊ ኣብ ልዕሊ ብጉጅለ ህግደፍ ዝፈረሰት ባጽዕ ዝቀረበ ናይ ጽልኢ ቅባኣ ውን፡ ነቲ ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ዝህንጠዮ ዘሎ ኲናት ዘጉልሕ ምኳኑ ንጹር’ዩ።