ኢራን ብሰንኪ እተካይዶ ዘላ መደባት ምምዕባል ኒዩክሌርን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ብዝወሰደቶ ስጕምትን፡ ምስታ ሃገር ኣብ ከቢድ ምፍጣጥ እትርከብ ኣመሪካ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ገዘፍቲ መራኽብ ውግእን ነፈርቲ ኲናትን ኣብ ዙርያ ኢራን ተስፍር ምህላዋ ተገሊጹ።
ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከባቢ ዶባት ኢራን ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣመሪካ ብቐረባ ክከታተሎ ምጽንሑ ዝገለጸ ቢቢሲ ቬሪፋይ፡ እቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሓያላን ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዓለማዊ ስጋኣት እንዳኮነ ይመጽእ ምህላዉ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ሰበስልጣን ኣመሪካን ኢራንን ካልኣይ ዙርያ ዝርርብ ንምክያድ ትማሊ ሰሉስ 17 ለካቲት ኣብ ስዊዘርላንድ ክራኸቡ፡ መደብ ጌሮም ምህላዎም’ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ኢራን፡ እቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ክካየድ ዝተጸውዐ ኣኼባ፡ ኣመሪካ ኣብ ኒዩክለሳዊ ፕሮግራማ ዘንበረቶ ቁጠባዊ እገዳ ንምልዓልን ዘተኰረ ምዃኑ ዝገለጸት ኮይና፡ ምምሕዳር ዋሽንግተን ብወገኑ፡ ኣመሪካ ካብ መደባት ምምዕባል ኒክለሳዊ ኣጽዋር ወጻኢ፡ ኣብ ካልኦት ጕዳያት እውን ምስ ኢራን ክዘራረብ መደብ ከምዘለዋ ኣቀዲሙ ምግላጹ ዝዝከር’ዩ።
ኣመሪካ ሰለስተ መጥቃዕቲ ሚሳይል ዝመርሓ ኤፍ 35 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ፡ 90 ነፈርቲን፡ 5,680 ሰራሕተኛታትን ዝጸዓነት መርከብ ኣብርሃም ሊንከን፡ ኣብ መወዳእታ ጥሪ ናብ ዞባ ወሽመጥ ከም ዝለኣከት ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ይኩን እምበር እታ ዓባይ ናይ ውግእ መርከብ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ካብ ምስሊ ሳተላይት ተከዊላ ምህላዋ’ዩ ክግለጽ ጸኒሑ።
እታ መርከብ፡ ካብ ኢራን ኣስታት 700 ኪ.ሜ ርሒቓ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኦማን ተራእያ ምንባራ ዝጠቅስ እቲ ሓበሬታ፡
ኣመሪካ እታ ብደረጃ ዓለም ካለአይቲ ዝዓበየት መርከብ ኲናት ዝዀነት ‘USS Gerald R Ford’ ውን፡ ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ከም ዝለኣከታን፡ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝቕጽል ሰለስተ ሰሙናት ናብ’ቲ ዞባ ክትበጽሕ ከም እትኽእልን ይግለጽ።
ምምጻእ መርከብ ኣብርሃም ሊንከን ናብ ዞባ ማእከላይ ምብራቅ፡ ነቲ ካብ ዝሓለፈ ሒደት ሰሙናት ኣትሒዙ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ምጽጋዕ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣመሪካ፡ ብዕጽፊ ክዓቢ ጌርዎ ምህላዉ ዝንገር ኰይኑ፡ኣመሪካ ተወሳኺ ዓበይቲ ኣጽዋርን፡ መራኽብ ኲናትን ተጸግዕ ምህላዋ፡ ሓደገኛ ምዕባለታት እቲ ዞባ ኣብ ጥርዚ ምህላዉ ዝረድእ ምኳኑ’ዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዝገልጽ።