ፕረዚደንት ቱርኪ ጠይብ ኤርዶጋን፡ ሃገሩ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓድሽ ግጭት ክትርእይ ከም ዘይትደሊ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝገበሮ ዑደቱ ገሊጹ።
ፖለቲካዊ ጸገም ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሃገራት እዚ ዞባ ጥራሕ ክፍታሕ ከም ዝግባእ ዝጠቐሰ እቲ ፕረዚደንት፡ ሃገሩ ቱርኪ ቀርኒ ኣፍሪቃ ግምባር ዓውደ ውግእ ክኸውን ከምዘይትድግፍ’ዩ ዝገልጽ።
እስራኤል ንሶማሊላንድ ዝሃበቶ ኣፍልጦ ሃገርነት፡ ንሶማሊላንድ ኰነ ንሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ዝጠቅም ትርጉም የብሉን ዝበለ ጠብይ ኤርዶጋን፡ ኢትዮጵያን ቱርክን ኣብ ቃልሲ ጸረ ግብረሽበራን ንግዳዊ ልውውጥን፡ ብሓባር ንምስራሕ ከም ዝተሰማምዓ ውን’ዩ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ዝገልጽ።
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ቱርክን ዝግበር ንግዳዊ ስምምዓት፡ እንተውሓደ ሓደ ቢልየን ዳላር ክመልእን፡ ልዕሊኡ’ውን ንክዓብን ብኽልቲኦም መንግስታት መደብ ተታሒዙ ክስርሓሉ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሞንጎብክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ንግዳዊ ስምምዓት ክዓብን ኣብ ስምምዕ በጺሕና ዝበለ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ሃገሩ ምስ ቱርኪ ዘለዋ ዝምድና ሓደ ስጉሚ ንቅድሚት ዝደፍእ ስምምዕ ምፍራማ’ዩ ዝጠቅስ።
መራሒ ቱርኪ ጠይብ ኤርዶጋን ናብ ኢትዮጵያ ዝበጽሐ፡ እናበረኸ ዝመጽእ ዘሎ ወጥሪ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣቃልቦ ሃገራት ምዕራብን ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ዝስሕበሉ ዘሎ እዋን ኮይኑ፡ ኣብ’ቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝገበሮ ርክባት፡ ቱርኪ ግጭት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዘይትድግፍ ምግላጹ’ዩ ዝንገር።
ቱርኪ ምስ ሶማል ሓያል ቍጠባዊን ጸጥታዊን ርክብ ብምምስራት፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓቢ ጽልዋ ፈጢራ ምህላዋ ይፍለጥ ኮይኑ፡ ብሰንኪ ጉዳይ ሶማሊላንድ ኣብ ሞንጎ ኣዲስ ኣበባን ሞቓድሾን ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ድሕሪ ምፍጣሩ ውን፡ ብውዕል ኣንካራ ነቲ ምትፍናን ንምህዳእ ወሳኒ ግደ ከም ዝተጻወተት ይዝከር’ዩ።