ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜኒ፡ ሃገሩ ኢራን ንዝሓየለ ሰራዊት ዓለም ከፍርስ ዝኽእል ወተሃደራዊ ዓቅሚ ከምዘለዋ ገሊጹ።
ኣያቱላህ ኣሌ ኻሜኒ ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብ’ቲ ናብ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝቀንዐ ናይ ግብረመልሲ ቃላቱ ኮይኑ፡ ሃገሩ ኢራን ወላ ውን ነቲ ዝሓየለ ሰራዊት ዓለም ምኳኑ ዝእመነሉ ሓይሊ፡ ዳግማይ ክትስእ ከምዘይኽእል ክትገብሮ ትክእል’ያ ክብል ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ብወገን ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ዝግበር ዘሎ ወተሃደራዊ ዘመተ ሳዕቤኑ ቀሊል ከምዘይከውን’ዩ ኣብ ቃላቱ ዘጠንቅቕ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሃገሩ ምስ ኢራን ኣትያቶ ንዘላ ወጥሪ ኣመልኪቱ፡ ኣብ ዝረኸቦ ኣጋጣሚ ብዛዕባ ሓያልነት ሰራዊት ኣመሪካ ክዛረብ ዝስማዕ ኮይኑ፡ በዚ ዝተቆጠዐ መራሒ ኢራን ኣያቱላህ ኣሌ ካሚኒ፡ ዘመናዊ ሰራዊት ኢራን፡ ወላ ውን ነቲ ዝሓየለ ሰራዊት ዓለም ምኳኑ ዝንገረሉ ናይ ኣሜሪካ ሓይሊ፡ ምሉእ ብምሉእ ናይ ምዕናው ዓቅሚ ከምዘለዋ’ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ናብ ኢራን መራኽብ ኵናት ዘጸግዐት ኣመሪካ፡ ኢራን ብኣመሪካ ንዝቐርበላ ዘሎ ቅድመ ኩነት ተቐቢላ፡ ኣብ ምሉእ ስምምዕ እንተድኣ ዘይበጺሓ፡ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክትወስድ ምኳና፡ ብመንገዲ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ምጥንቃቅ ምጽንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፡
ፕረዚደንት ኣመሪካ ሰራዊቱ ኣብ ዓለም እቲ ዝሓየለ ምዃኑ’ዩ ዝዛረብ ዝበለ መራሒ ኢራን ብወገኑ፡ ሓያል ዝተባህለ ሰራዊት ዳግማይ ከምዘይትስእ ጌርካ ምህራም ውን ይከኣል’ዩ ብምባል’ዩ፡ ግብረመልሲ ኢራን ቀሊል ከምዘይከውን ዘጠንቅቕ።
ኣመሪካ መራኽብ ኵናት ናብ ኢራን ከም ዝለኣኸት ተደጋጋሚ ግዜ ትገልጽ ምህላዋ ኣብ ቃላቱ ዝጠቀሰ መራሒ ኢራን፡ እተን መራኽብ ዋላ’ኳ ሓደገኛ ኣጽዋር ዝጸዓና እንተኮና፡ ባኣንጻሩ ኢራን ግዙፍ መርከብ ናብ ትሕቲ ባሕሪ ከጥሕል ዝኽእል ሓይሊ ወኒና ምህላዋ’ዩ ዘጠንቅቕ።
ኣመሪካ ኣዕናዊ መጥቃዕቲ ሚሳይል ዝመርሓ፡ ሰለስተ ኤፍ 35 ዝዓይነተን ነፈርቲ ዝርከበአን 90 ናይ ኲናት ነፈርቲ፡ ከምኡ’ውን 5,680 ሰራሕተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ኣብርሃም ሊንከን፡ ኣብ መወዳእታ ጥሪ ናብ ዞባ ወሽመጥ ከም ዝተዋፈረት እኳ እንተተገለጸ፡ እታ ዓባይ መርከብ ዛጊታ ኣብ ምስሊ ሳትላይት ክትረአ ከምዘይከኣለት’ዩ ዝንገር።