መራሕቲ ትግራይ፡ ወራር ኢሎም ንዝገለጹዎ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ሰራዊት ፌደራል ንምምካት፡ ድለውነቶም ኣብ ጥርዚ ምህላዉ ገሊጾም።
ኣቦ መንበር ሰልፊ ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ መጥቃዕቲ እንተ ተፈጺሙ፡ ሓይልታት ትግራይ ነብሶም ንምክልኻል፡ ኣብ ምሉእ ድልዉነት ምህላዎም ዝገለጸ ኮይኑ፡ መንግስቲ ፌደራል በቲ ናይ ሰላም ውዕላት ከይተቀየደ፡ ዳግማይ ናብ ትግራይ “ክወርር” ይዳሎ ምህላዉ ውን’ዩ ከሲሱ ዝርከብ።
ዶክተር ደብረጽዮን ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብ’ቲ ትማሊ ረቡዕ 19 ለካቲት ብክልላዊ ቴሌቪዥን ትግራይ ዝተመሓላለፈ ጽንብል መበል 51 ዓመት ምስረታ ህወሓት ኮይኑ፡ መንግስቲ ፌደራል ዳግማይ ናብ ትግራይ ወራር ንምፍጻም ኣብ ምድላውን፡ ሃብታማት ሰብ ሃብቲ ኣብ ምእካብን ምህላው ብምጥቃስ፡ ትግራይ ግቡእ ግብረመልሲ ክትህበሉ ድልውቲ ምህላዋ እዩ ዝገልጽ።
ታሪኽ ህዝቢ ትግራይን ሰማእታትን እናዘከርና፡ ነቲ እናቀረበ ዝከይድ ዘሎ ወራር ብዘተ ንምውጋድ፡ ግቡእና ክንፍጽም ቃል ንኣቱ ዝበለ እቲ ኣቦ መንበር ወሲኹ፡ ይኹን’ምበር ድሕንነትን ህላወናን ንምሕላው ኣብ እነካይዶ ቃላሲ፡ ቀይሕ መስመር ሓሊፎም ንዘጥቅዑና ክንቃለስ ኢና ክብል’ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ታደሰ ወረደ ብወገኑ፡ ምስዚ ዝመሳሰል መልእኽቲ ዘሕለፈ ኮይኑ፡ ኲናት ትግራይ ንከብቅዕ ዓቢ ምክንያት ዝነበረን ኣብ ሕዳር 2022 ዝተፈረመን ስምምዕ ፕሪቶርያ እንተዘይተከቢሩ፡ ስጋኣት ኲናት እንዳዓበየ ክቅጽል ምኳኑ’ዩ ዝገልጽ።
ኣብ ዙርያ ክልል ትግራይ፡ እንዳዓበየ ዝከይድ ዘሎ ምትእኽኻብ ሓይልታት ፌደራልን፡ ኣብ መንጐ መራሕቲ ዝርአ ናይ ቃላት ኲናትን፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ይመጽእ ምህላዉ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንምንታይ ዕላማ’ዩ ኣብ ዙርያ ክልል ትግራይ ክእከብ ተመሪጹ ግን፡ ዛጊት ዝኮነ ይኹን ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተረኽበ ሓበሬታ የለን።