ሰለስተ ዓመታት ድሕሪ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኣዕናዊ ግጭት፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ምምሕዝነት፡ ናብ ሓድሕዳዊ ምጥርጣርን ወተሃደራዊ ምትፍናንን ኣትዩ ምህላዉ ዝጠቀሰ ICG፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዳግማይ ሓደጋ ዞባዊ ኲናት ኣጋጢምዎ፡ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ምህላዉ’ዩ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ መጠንቀቅታ መልእኽቱ ኣስፊሩ።
ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ (ICG) ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብ’ቲ ትማሊ ረቡዕ 18 ለካቲት 2026 ዝዘርግሖ ሰነድ ኮይኑ፡ ንምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ስዒቡ፡ ኣብ 2022 ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ፡ ንኲናት ትግራይ ምሉእ ብምሉእ መከተመታ ዝገበረሉ እኳ እንተመሰለ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ግን፡ ብወገን ክልቲኦም ሓይልታት ዝረአ ዘሎ ከቢድ ወደተሃራዊ ድልዉነት፡ ቅሂሙ ንዝጸንሐ ስጋኣት ኲናት ዳግማይ ከይመልሶ ስጋኣት ምህላዉ”ዩ ዝጠቅስ።
ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ፈደራልን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ፡ ከሙኡ ውን ምስ ኤርትራ ዝክየድ ዘሎ ኣብ ዓንቀር ዝበጽሐ ናይ ኲናግ ስጋኣት ሓይሉ ምህላዉ ዝገለጸ እቲ ትካል፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ዳግማይ ኣሰቃቒ ህልቂት ከይምለስ ስጋኣት ምህላዉ”ዩ ወሲኩ ዘረድእ።
እዚ ሕጂ ዝምዕብል ዘሎ ኵነታት፡ ካብቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ዝገብሮ ዘሎ ቅሉዕ ወፍሪ ዝተኣሳሰር ምኳኑ ዝጠቀሰ እቲ ትካል ወስኩ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ሃገርና ናይ ጂኦግራፍ እስርቲ ኰይና ኣይክትነብርን እያ ክብል፡ ደጋጊሙ ዝጠቅሶ ቃላቱ፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ወጥሪ ኩነተ ኲናት፡ ሰማይ ክዓርግ ይገብሮ ምህላዉ’ዩ ዝገልጽ።
ጂኦፖለቲካዊ መልክዕን ኣሰላልፋን እዚ ዞባ፡ ካብ ድሕሪ ደማዊ ግጭት ትግራይ ኣትሒዙ ፍጹም ተቀይሩ ምህላው ዝገለጸ
ጸብጻብ ክራይስስ ግሩፕ፡ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ዝነበረ ዝምድና ኣቢይን ኢሳይያስን ፍጹም ተቀይሩ፡ ክልቲኦም ሓልልታት ናብ ምፍጣጥ ምእታዎም፡ ቀጻልነት ሰላም ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ከቢድ ስጋኣትን፡ ሓደጋ ኲናትን ወዲቁ ምህላዉ’ዩ ዝገልጽ።