ናብ ከባቢታት ተንቤን ኣትዩ ዝጸንሐ ሰራዊት ኤርትራ፡ ምንቅስቃስ ሰራዊት ፈደራል ናብ ወሰናስን ከባቢ ዶባት እታ ሃገር ይንቀሳቀስ ምህላዉ ድሕሪ ምግላጹ፡ ካብ ከባቢታት ተንቤን ተንቀሳቂሱ ኣብ ከባቢ ሽረ ምህላዉ ተገሊጹ።
እተን ብትእዛዝ ጉጅለ ህግደፍ ናብ ከባቢ ተምቤን ኣትየን ምስ ሓይሊ ህወሓት ሓቢረን ዝጸንሓ ናይ ኤርትራ ክፍለሰራዊት፡ ክልተ ምኳነን ዝጠቀሰ እቲ ሓበሬታ፡ ኣብ ቆላ ተንቤን ዝጸንሐት ሓንቲ ክፍለ ሰራዊት ናብ ደብረ ኣባይ ኣብ ዘውጽእ ከባቢታት እንዳባጉና፡ ካብ ከባቢ ደጋ ተንቤን ዝወጸት ካልእ ክፍለሰራዊት ከኣ ብመስመር ደደቢት ካብ ሽረ ኣብ ናይ 18 ኪሎሚተር ርሕቀት ኣብ ዝርከብ ክሳድ ጋባ ሰፊረን ምህለወን’ዩ ዝሕብር።
ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ብዓቢ ቁጽሪ ክንቀሳቀስ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ብሰራዊት ኤርትራ ዝተወስደ ናብ ከባቢ ዶባት ናይ ምምላስ ውሳነ፡ ኲናት ክልቲኤን ሃገራት ዘይድግፋ ሃገራት ካብ ዝፈጥሮኦ ዘለዋ ተጽዕኖ ዝነቅል ክኸውን ከምዝክእል’ዩ ዝእመን።
ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ዓቢ ቁጽሪ ሜካናይዝድ ሓይልታት ዝሓዘ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ናብ ወሰናስን ዶባት ክጽጋዕ ምቅናዩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ኤርትራን ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ዝለዓለ ተጠንቀቅ ምህላዉን፡ እቲ ኩነታት ኣዝዩ ሓደገኛ ሳዕቤን ከየስዕብ ዘስግእ ምኳኑን፡ ማዕከን ሓበሬታ ብሉምበርግ ምግላጹ ውን ዝዝከር’ዩ።
ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ተኸሲቱ ዘሎ ወጥሪ ኩነተ ኲናት፡ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ፡ ኲናት ክውላዕ ይክእል’ዩ ዝብል ዓቢ ስጋኣት ፈጢሩ ምህላዉ፡ ብርክት ዝበላ ማዕከናት ዜና ክገልጻ ምቅናየን ውን ዝዝከር ኮይኑ፡ ዓበይቲ ጸለውቲ ሃገራት እዚ ዞባን፡ ዲፕሎማሰኛታት ዓለምን፡ እቲ ኩነታት ናብ ኲናት ከምርሕ ከምዘየፍዱ ይገልጹ ምስ ምህላዎም ግን፡ እቲ ደማዊ ኲናት ናይ ምትራፍ ወይ ምንዋዕ ዕድላት ምህላዉ ውን ዝእመን።
ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዛኣተወ መራሒ ቱርኪ ጠይብ ኤርዶጋን፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ቱርኪ ሓድሽ ግጭት ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክውላዕ ከምዘይትደሊ ዝገለጸ ኮይኑ፡ መራሒ እስራኤል ናታንያግልሁ ናብ እስራኤል ክበጽሕ ኣብ መደብ ምህላው ውን፡ እቲ ኩነታት በጺሕዎ ንዘሎ ኣስጋኢ ኩነታት ዘረድእ’ዩ።