ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዚያዊ መንግስቲ ድሕሪ ምፍራሱ፡ ካብ ትግራይ ወጽዩ ምስ ሓይልታት ፈደራል ብምኳን ኣብ ስራሕ መንግስቲ ዝረከብ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ ህወሓት ናብ ኲናት ክናኣቱ እንተመሪጹ፡ እቲ ዝውላዕ ኲናት ኣብ ሓጺር ግዜ ክዛዘም’ዩ ክብል ገሊጹ።
ህወሓት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንዘካዕበቶ ናይ ኲናት ኣጽዋር ዓጢቁ ኣብ 2020 ኲናት ኣዊጁ ከብቅዕ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ከቢድ ስዕረት ከምዝወረዶ ዝገለጸ ጀነራል ጻድቃን፡ ሕጂ ውን ንውልቀመላኺ ኢሰያስ ኣብ ድሕሪኡ ኣሰሊፉ፡ ናብ ኢትዮጵያ ክወርር ይዳሎ ምህላዉ ድሕሪ ምግላጹ፡ ህወሓት ናብ ኲናት ካኣቱ እንተመሪጹ፡ እቲ ኲናት ኣብ ሓጺር ግዜ ክዛዘም ምኳኑ’ዩ ዝገልጽ።
ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ኣብ መግለጺኡ፡ ህወሓት ዓቢ ናይ ኲናት ጎስጓስን፡ ኩለንትናዊ ምድላውን ኣብ ምክያድ ተጸሚዱ ምህላዉ ዝጠቐሰ ኮይኑ፡ እቲ ጉጅለ ናይ ሰላም ምርጫ ኣይቅበልን ብምባል ኲናት ከካይድ እንተመሪጹ፡ እቲ ዝግበር ኲናት ኣዝዩ ሓጺርን፡ ብውሑድ ክሳራታት ጥራይ ዝፍታሕ ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።
ህወሓት ኲናት ጥራሕ እንተመሪጹ፡ ከም ዝሓለፈ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበጽሕ ናይ ላኬማ ክሳራ ክህሉ ከምዘይኮነ ዝገለጸ እቲ ጀነራል፡ እቶም ኲናት ዝሓረዩ ገበነኛታት፡ ባዕሎም ንዝፈጠሩዎ ጸገም ባዕሎም ከም ዝገጥምዎ ጥራሕ ብምግባር ክዛዘም ምኳኑ’ዩ ዝግለጽ።