ሰራሕተኛ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ (AFP) ዝኮነ ጋዜጠኛ፡ ትማሊ ዓርቢ 20 ለካቲት ናብ ትግራይ ከይኣቱ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዝተኸልከለ፡ እቲ ትካል ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።
ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ኣባሉ ዝኮነ ጋዜጠኛ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩን፡ ሕጋዊ ናይ ስራሕ ፍቓድ ዘለዎን ጋዜጠኛ ምኳኑ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ትማሊ ዓርቢ ናብ ከተማ ሽረ ትግራይ ክበርር ኣብ ዝፈተነሉ ሰዓት ግን፡ “ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ፍቓድ የብልካን” ብዝብል ምኽንያት፡ በረሩኡ ተሰሪዙ ካብ መዕረፎ ነፈርቲ ከም ዝተመልሰ’ዩ ዝገልጽ።
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ነቲ ጋዜጠኛ ካብ ኤርፖርት ክምለስ ዝገበረ ሰራሕተኛ ጸጥታ መዕረፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ፡ ዝኾነ ይኹን መረዳእታ ከየቕረበ፡ ሎሚ ወት ትማሊ ኣብ ስራሕ ዝወዓለ ሓድሽ መምርሒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምኳኑ ብምጥቃስ፡ ንበረራ እቲ ጋዜጠኛ ምስራዙ እዩ ዝገልጽ።
ጉጅለ ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ (RSF) ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ጉዕዞ ጋዜጠኛ (AFP) ምኽልካሉ፡ ሕጋዊ ኣፍልጦ ኣብ ልዕሊ ዘለዎ ጋዜጠኛ ዝተፈጸመ ግህሰት መሰልን ምእካብ ሓበሬታን ምኳኑ ድሕሪ ምግላጹ፡ እዚ ተግባር እዚ መቀጸልታ ናይ’ቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኣህጉራውያን መራኸቢ ብዙሃን ከንብሮ ዝጸንሐ እገዳ ምኳኑን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሓበሬታ ናይ ምርካብ እገዳ እንዳገደደ ይመጽእ ምህላዉን ዘረድእ ምኳኑ’ዩ ዝግለጽ።