ኣብ ወርሒ ለካቲት 2024 ብወለንተኛታት ተቃለስትን ደለይቲ ፍትሒን ተመስሪታ፡ ውድቀት ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምቅልጣፍ ኣብ ስራሕ እትርከብ ትካል ኤሪፒኤም፡ 7 ዛኣባላቱ ሓድሽ ቦርድ መሪጻ ።
ሳተላይት ቴለቪዥን ኤሪፒኤም፡ ርትዓዊትን ሓቀኛን ህዝባዊት ማዕክን ዜና ብሙዃን፡ ብናይ ዜናን ሓበሬታን ሕጽረት ንዝሳቀ ዘሎ ህዝብና ሓበሬታ ኣብ ምቅባልን፡ ዕድመ ስልጣን ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ዘብቅዓሉ ግዜ ንምቅልጣፍን፡ ሞያዊ ዲስፕሊን ብዘኽበረ ኣገባብ ኣብ ቃልሲ ምጽንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ሎሚ ተመሪጹ ዘሎ 7 ዛኣባላቱ ሓድሽ ቦርድ ውን፡ ነዚ ዕላማ እዚ ተገዚኡ፡ ሓላፍነታዊ ስራሕ ክዋጻእ’ዩ ናብ ቅድሚት መጽዩ ዝርከብ።
ግዙፍ ዕላማ ኤሪፒኤም፡ ኪንዮ”ቲ ስርዓት ምልኪ ንምፍራስ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ቃላሲ፡ ኣብ ሞንጎ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ስደትን ዝነብር ዘሎ ህዝብና መላግቦ ምፍጣርን፡ ህግደፍ ክፈጥሮ ንዝደሊ ጸቢብነት ምቅላስን ምኳኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ በዚ መሰረት ተመዚዙ ዝርከብ ሓድሽ ቦርድ ኤሪፒኤም፡ ነዚ ዕላማ ንምቅጻል ናብ ስራሕ ክወፍር’ዩ።
ኣብ ክፍለ ግዛኣት ሚሪላንድ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተመስረተትን፡ ካብ ቀረጽ ነጻ ዘይመኽሰባዊት ትካል ብምኳን፡ ብሕጋዊ መንገዲ ዝተመዝገበት ትካል ኤሪፒኤም፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ብፋይናንስ ነብሳ ክኢላ፡ ውሑስን ቀጻልነትን ዘለዎ ናይ ሳትላይት ኣገልግሎት ንህዝብና ንምሃብ ወትሩ ኣብ ከቢድ ስራሕ ተጻሚዳ ምህላዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ምህናጽ ትካላዊ ኣሰራርሓ፡ ካብ ሕሉፍ ጌጋታት ተማሂራ፡ ተሳታፍነት ህዝቢ ዘለዎ ዓንዲ ሕጊ ብምንዳፍ፡ ህዝባዊ ሰረት ኣደልዲላ ድሕሪ ምንዳፍ፡ ህዝባዊ ሰረት ዘለዋ ዓንዲ ሕጊ ኣብ ምጽፋፍን፡ ነታ ትካል ዝመርሕዋ ቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ንምምራጽን፡ ኣብ ጽዑቅ ስራሕ ድሕሪ ምጽናሕ እንሆ ናብ ሓድሽ መድረኽ ዘሰጋግርዋ 7 ዝኣባላታ ኣባላት ቦርድ ብኣባላት መሪጻ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ሰጊራ ኣላ።
በዚ መሰረት ተመሪጾም ዘለዉ ሓደሽቲ ኣባላት ቦርድ፡ ጋዜጠኛ ይርጋኣለም ፍስሃ፡ በረኸት ሃብተማርያም፡ ጋዜጠኛ መሓሪ ኣብርሃም፡ ተወልደ ስእለ፡ ሳባ ኣብርሃም፡ ፍሊጶስ በርሀ ከምኡ ድማ ዶ/ር ሞጎስ ያቆብ ኮይኖም፡ መስርሕ ምርጫ ኣባላት ቦርድ፡ ብመሰረት ዓንዲ ሕጊ ኤሪፒኤም፡ ብኣባላት 26 ሕጹያት ክቀርቡ ከለዎ፡ ካብቶም ዝቀረቡ ሕጹያት እዞም ሸውዓታ ኣባላት ተመሪጾም፡ ንዝቅጽል ክልተ ዓመታት ንትካል ኤሪፒኤም ክመርሕዋን፡ ናብ ቀጻሊ ብሩህ ናይ ስራሕ ዘመን ከሰጋግርዋን፡ ብኣባላት ቆጽሊ ተነቢርዎም’ዮም ናብ ስራሕ ካኣትዉ ዮም።
ትካላ ኤሪፒኤም ኣብ’ዚ ሓድሽ መድረኽ፡ ብሓደሽቲ ኣባላት ቦርድ ተመሪሓ ናብ ዝበረኸ ደረጃ ከምትበጽሕ፡ ድላይ ኩሉ ኣባል ኤሪፒኤምን ኤርትራውያን ተቃለስትን ኮይኑ፡ ኤሪፒኤም ሰናይ ናይ ስራሕ ግዜ ክኾነሎም ሰናይ ትምኒታ ትገልጽ።