ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ግብረ ሽበራ ናይ ምክልኻል ዓቅሚ ዘለዎ ፍሉይ ሓይሊ ከምዝሃነጸት ገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ነዚ ዝገለጸ፡ትማሊ ሰንበት 22 ለካቲት 2026 ኣብ ከተማ ሃዋሳ ኣብ ዝተኸብረ፡ መበል 65 ዓመት ምምስራት ፍሉይ እዚ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ዘስምዖ መደረ ኮይኑ፡ እቲ ፍሉይ ናይ ኮማንዶ ሓይሊ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ምብራቅ ኣፍሪቃን ንዝከናወን ናይ ሽብራ ተግባራት ዘምክን ዓቅሚ ከምዘለዎ’ዩ ዝገልጽ።
ናትና ምድላው ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ሰላም ከምዝህሉ ምርግጋጽ’ዩ ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኢትዮጵያ እትዕልሞ ዘላ ፍሉይ ሓይሊ ኮማንዶ ኣብ ዞባና ቀርኒ ኣፍሪቃን ምብራቅ ኣፍሪቃን ንዘለዋ ሃገራት፡ ቀንዲ ደገፍን ዋልታን ከምዝኮነ’ዩ ዝገልጽ።
ነዚ ዕላማ’ዚ ንምዕዋት፡ እቲ ኣብ ምድርን ጎቦታትን ጥራሕ ዝግበር ዝነበረ ናይ ኮማንዶ ስልጠናታት፡ ናብ ናይ ባሕሪ ስልጠና ከምዝተሰጋገረ ዝሓበረ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ካብ ጫፍ ሶማልያ ክሳብ ጫፍ ምጽዋዕ ኣብ ዝዝርጋሕ ገማግም ባሕሪ ዘጋጥም ስግኣታት ግብረሽበራ፡ ኣሕዋትና ንዝኾኑ ህዝብታት ደጊፍና ግብረሽበራ ንምክልኻልን ልምዓት ንምርግጋጽን ክንሰርሕ ኢና ድሕሪ ምባሉ፡ ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነን፡ ንምሉእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ምብራው ኣፍሪቃን ዝኣክል ፍሉይ ሓይሊ ሃኒጻ ምህላዋ’ዩ ዝገልጽ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ሃገሩ ምስ ኤርትራ ሶማልን ጅቡትን ብጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ኣብ ምፍጣጥ ኣብ ዘላትሉ ህሞት፡ ሃገሩ ባሕሪ እዚ ዞባ ዝሕሉ ፍሉይ ኣሃዱ ኮማንዶ ምዕላማ ዋላ ዳኣ ይግለጽ እምበር፡ ኣብ’ቲ ጽንብል ዝተካየደሉ ስታዲዩም ኣብ ዝተራእየ ናይ ድሕሪ መድረኽ መልእክቲ ግን፡ ዓሰብ ኢትዮጵያ ዝብል ጽሑፍ ዝተለጠፋ መርከብን፡ ፍተዉ ጽሉኡ ተዓጺና ኣይንነብርን ዝብል ጽሑፍን ይንበብ ምስ ምንባሩ ግን፡ ቃላት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ’ቲ ኣብ ድሕረመድረክ እቲ ስታዲዩም ዝንበብ ዝነበረ መልእኽቲ ዝሳነ ብዘይምንባሩ ንብዙሓት ከምዘገረመን፡ ዕላማ ቃላት እቲ መራሒ ንጽሩነት ከምዘጉደለን’ዩ ዝግለጽ።