ካብ ብቅድሚ ትማሊ ኣትሒዙ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝርከብሉ ከባቢታት ዳባትን ኣለምዋጭን፡ ኣብ ሞንጎ ዕጡቃት ሓይልታት ፋኖን፡ መንግስቲ ፈደራልን ግጭት ብምውልዑ፡ ነበርቲ እቲ መዓስከር ዝኮኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዓቢ ናይ ሂወት ሓደጋ ወዲቆም ምህላዎም፡ ምንጭታትና ካብ’ቲ ከባቢ ኣብ ዝለኣኹልና ሓበሬታ ኣረዲኦም።
እቲ ካብ ብቅድሚ ትማሊ ኣትሒዙ ኣብ ከባቢ እቲ መዓስከር ኣብ ዝርከብ ቦታታት ዝፈለመ ግጭት፡ ክሳብ ሎሚ ይቅጽል ምህላዉን፡ ከበድቲ መዳፍዕ ዝሓወሰ ኣዝዩ ከቢድ ውግእ ምኳኑን ዝጠቐሱ ምንጭታትና፡ ዛጊት ኣብ ሂወት እቶም ስደተኛታት ዘውረዶ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ እኳ እንተዘይሃለወ፡ ኣብ ናይ ቀረባ ርሕቀት ይካየድ ምስ ምህላዉ ግን ኣሰቃቂ ሓደጋ ከይወርዶም ሻቅሎት ዝፈጥር ምኳኑ’ዮም ዝገጽሉ።
ትማሊ ኣብ ዝወዓለ ግጭት ክልተ ዕጡቃት ፋኖ ከምዝተቀትሉን፡ ሰራዊት ፈደራል መምሃሪ ክኾኑ ብምባል ሬሶኦም ናብ ከተማ ኣምጺኡ ከምዝደርበዮን ወሲኾም ዝገለጹ ምንጭታትና፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ፋኖን ፈደራልን ወላ’ኳ ብቀጥታ ኣብ ሂወት ስደተኛታት ሓደጋ እንተዘየብጽሐ፡ ብክልቲኦም ወገናት ዝረአ ዘሎ ኢሰባኣዊ ተግባራት ግን፡ ኩነተ የእምሮ እቶም ጸግዒ ዘይብሎም ስደተኛታት ዝርብሽ ምኳኑ’ዮም ዝገልጹ።
ንዝሓለፈ ልዕሊ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ መንነቶም ካብዘይፍለጥ ዕጡቃት ብዝፍነወሎም መጥቃዕቲ፡ ብዙሕ ዋጋ ክኸፍሉ ምጽንሖምን፡ ብጥይት ሂወቶም ናይ ዝሰኣኑ ስደተኛታት ቁጽሪ ውን ብተዓጻጸፊ ክውስኽ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ኣብዚ ሳልስቲ ኣብቲ ከባቢ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ግን፡ ኣብ ቀረባ ርሕቀት ዝካየድ ዘሎ ግጭት ብምኳኑ፡ ከቢድ ራዕድን ጭንቀትን ፈጢሩ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።
ብሰንኪ’ቲ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝተፈጥረ ምፍራስ ጸጥታ፡ UNHCRን ካሎኦት ተሓለቅቲ ስደተኛታት ዝኮኑ ትካላትን ካብ’ቲ ከባቢ ብምውጾኦም፡ እቶም ስደተኛታት ብዘይዝኮነ ጸግዒ ንሓደጋ ተቃሊዖም ምህላዎም ዝፈልጥ ኮይኑ፡ ሕጂ ውን ዝከፈአ ሓደጋ ከይሰዓበ ናብ ዝሓሸ ቦታ ዝግዕዝሉ ዝኽእሉ ዕድላት ክፍጠር ኩሉ ብዝከኣሎ ክረባረብ’ዮም ጻውዒቶም ዘቅርቡ።
እቲ ከቢድ ግጭት ክልቲኦም ሓይልታት ገና ይቅጽል ምህላዉ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ዝኾነ ክሳብ ዝኸውን ህዝቢ እቲ መዓስከር ምንቅስቓሳቱ ገቲኡ፡ ሕድሕዱ እናተደጋገፈን ዘላቶ እንዳተካፈለን ክጸንሕ’ዮም ጻውዒቶም ዘቅርቡ።