ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ብወገን ክልል ኣምሓራ ናይ ይብጽሓኒ’ዩ ሕቶታት ንዝለዓለሉ ሰፊሕ ከባቢታት ክልል ትግራይ፡ ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ወጻኢ ኣብ ትሕቲ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኮይኑ ምርጫ ከካይዳ ምውሳኑ፡ ኣብታ ሃገር ዓቢ ኣርእስቲ ፈጢሩ።
ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ኣማስዩኡ ኣብ ዘውጾኦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ክልል ትግራይ ብምኳን ምርጫ ዘካይድ ዝነበረ ሓሙሽተ ከባቢታት ራያን ሕሞራን፡ ሎሚ ዓመት ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ፡ ካብ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ወጽዩ፡ ኣብ ትሕቲ ባይቶ ተወከልቲ ብምኳን ድምጹ ክህብ ምውሳኑ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ካብ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ብዝተውሃበ ውሳነ መሰረት ተደሪኹ፡ ናብ’ቲ መደምደምታ ምብጽሑ ውን’ዩ ኣብ መልእኽቱ ዘረድእ።
ድሕሪ’ቲ ብሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዝወጸ መግለጺ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብወገኑ ህጹጽ ግብረመልሲ ዝሃበ ኮይኑ፡ ነቲ ድምጺ ህዝቢ ትግራይ ዘይብሉ ቤት ምኽሪ ዘሕለፎ ውሳነ ብትሪ ድሕሪ ምኹናኑ፡ እዚ ሓደገኛ ውሳነ ከስዕቦ ዝኽእል መዘዝ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብኣግኡ ክእረምን ዳግመ ግምት ክግበረሉን ብጽኑዕ ይሓትት ብምባል፡ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ንዘውጾኦ መግለጺ ነጺግዎ።
ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ዝርዝር ምርጫ ዝካየደሎም ክልላትን ጣብያታትን ብወግዒ ኣብ ዝገለጸሉ እዋን፡ ሑመራ፡ ዓዲ-ረመጽ፡ ጸለምቲ፡ ኮረም-ኦፍላ፡ ከምኡ’ውን ራያ-ኣላማጣን፡ ኣብ ትሕቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብምኳን፡ ምርጫ ክሳተፋ ምውሳኑ ኣፍሊጡ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ትማሊ ኣብ ዘውጾኦ ሓድሽ መግለጺ ግን፡ ቤት ምኽሪ ፌደፈሬሽን ኢትዮጵያ፡ ኣብ መጀመርታ መዓልታት ናይ’ዚ ወርሒ ናብ ቦርድ ምርጫ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ እቲ ኣካታዒ ተባሂሉ ዝጥቀስ ከባቢታት ብሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር ናይ መወዳእታ መዕለቢ ክሳብ ዝረክብ፡ ካብ ክልል ትግራይ ወጻኢ ኣብ ትሕቲ ተወከልቲ ፈደራል ብምኳን ክመርጻ ኣለወን ዝብል ውሳነ ከምዝተቀበለ’ዩ ዝገልጽ።
እቲ ቦርድ ምርጫ ኣብ መግለጺኡ፡ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣብ ዝሰደደልና ደብዳበ፡ እቲ ንክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዘካትዓ ዘሎ ሓሙሽተ ከባብታት፡ ካብ ክልል ትግራይ ወጻኢ ምርጫ ከካይድን፡ ተወከልቲ ሃገራዊ ባይቶ ክመርጽን ከምዝወሰነ ኣፍሊጡና ዝበለ ኮይኑ፡ ብተወሳኺ ኣብ’ቲ ኣካታዒ ቦታታት ክልላዊ ምርጫ ዝካየድ ውን፡ እቲ ኣካታዒ ቦታታት ብሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር መዕለቢ ምስ ረኸበ ጥራሕ ምኳኑ ከምዝተነግሮ ውን’ዩ ወሲኹ ዝጠቀስ።
ኲናት ትግራይ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ድሕሪ ምውልዑ፡ ንሰፊሕ ግዝኣት ምዕራብ ትግራይ ሓዊሱ፡ ብርክት ጽበለ ከባቢታት ወልቃይት ሕሞራን ራያን ኣብ ትሕቲ ዕጡቓት ክልል ኣምሓራ ምህላዉን፡ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ መዕለቢ ክርከቦ ዝነበረ ትጽቢት ውን ዛጊት ክሳብ ሕጂ ውጺኢት ከምዘይሃበ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ሕጂ ወጽዩ ዘሎ መግለጺ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ግን፡ ነቲ ኩነታት ናብ ዝበኣሰ ሓድጋ ከይወስዶ ስጋኣት ፈጢሩ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።
ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተመዛበሉ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዝቁጽሮም ነበርቲ፡ ናብ መንበሪ ቤቶም ከይተመልሱ ድሮ 6 ዓመት ሒዞም ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ትማሊ ዝወጸ መግለጺ ብወገን ትግራይ ከቢድ ቁጥዐ ፈጢሩ ብምህላዉ ግን፡ ገና ኣብ ቴንዳ እንዳሃለው ካልእ ዙር ኲናት ከይውላዕ ከቢድ ስጋኣት ሰፊኑ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብዝኮነ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ዲሞክራስያዊ ውድብ ስምረት ትግራይ ብወገኑ፡ ባይቶ ፈደረሽን ኣብቲ ኣከራካሪ ዝተባህለ ከባብታት ትግራይ ዘሕለፎ ውሳነ እንተዘይተኣሪምዎ፡ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ምርጫ ክሳተፍ ከምዘይኮነ ኣፍሊጡ።
ውድብ ስምረት፡ ናብ ባይቶ ፌደሬሽን ከሙኡ ውን ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዝጸሓፎ ናይ ተቓውሞ ደብዳበ፡ ነቲ ውሳነ “ዘይሕገ መንግስታዊ” ክብል ዝኮነኖ ኮይኑ፡ እቲ ዝተዋህበ ውሳነ ዳግመግምት እንተዘይተጌርሉ፡ ውድብ ስምረት ኣብ ምርጫ ክህሉ ከምዘይኮነ’ዩ ኣነጺሩ ዝርከብ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ ስጉምቲ ብወገን ትግራይ ከም ምፍራስ ውዕል ፕሪቶርያ ዝጥመት ብምኳኑ፡ ኣብ ሞንጎ ዕጡቃት ትግራይን ሓይልታት ፌደራልን፡ ዳግማይ ግጭት ከይፍጠር ዓቢ ስጋኣት ምህላውን፡ ኣብ ወሰናስን ከባቢታት ትግራይ ዝረአ ዘሎ ኣጽዋር ናይ ምጽጋዕ ተግባራት ውን፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ስንባደ ፈጢሩ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።
•••