ብመንገዲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ኣቢሉ ኣብ መበል 61 ዋዕላ ሰባኣዊ መሰላት ጄነቫ ዝተረኽበ ጉጅለ ህግደፍ፡ ዓለማዊ ስርዓት ኣብ ሓደጋ ምእታዉ ገሊጹ።
መበል 61 ዙር ዋዕላ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ትማሊ 24 ለካቲት 2026 ኣብ ጄነቫ ዝተካየደ ኮይኑ፡ ንጉጅለ ህግደፍ ወኪሉ ኣብ’ቲ ዋዕላ ዝተረኽበ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ዓለምለኻዊ ስርዓት ኣብ ትሕቲ ከቢድ ጸቕጢ ምህላዉን፡ ሕቡራት ሃገራት ውን ነቲ ዝተዋህቦ ተልእኾ ብግቡእ ይፍጽም ከምዘየለን ገሊጹ።
ሚኒስተር ዑስማን ኣብ መግለጺኡ፡ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕብራት ሃገራት ካብ ዝተመስረተሉ ዓለማዊ መትከላት ወጺኡ፡ ንጸቢብ ፖለቲካዊ ረብሓታት መሳርሒ ይኸውን ምህላውን፡ እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ዝጸንሐ እምነት የዳኽሞ ምህላዉ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ከም ውጺኢቱ ዓለምለካዊ ስርዓት ኣብ ሓደጋ ምእታዉን፡ እቲ ግዙፍ ዓለምለካዊ ትካል ውን ተሩኡ ይጻወት ዘይምህላውን’ዩ ከረድእ ዝፍትን።
ኤርትራ ካብ ግዳማዊ ምትእትታው ነጻ ብምኳን፡ መሰል ልምዓትን ሰብኣዊ መሰላትን ዝተሓለወላ፡ ብርእሰ ምርኮሳ ዝተሃንጸትን ደው ዝበለትን ሃገር ንምፍጣር ጽኑዕ ድላይ ከምዘለዋ ኣብ ቃላቱ ዝጠቀሰ ወኪል ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቲ ብግህሰት ሰባኣዊ ክብርታት መዳርግቲ ዘይብሉ ጉጅለ ከም ናይ ሰባኣዊ መሰል ተሓላቂ ጌሩ ክጠቅሶ ምፍታኑ፡ ኣብ ብዙሓት ትዕዝብቲ ዝፈጠረ’ዩ።
ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንድሌት ሰላም ህዝብታት ዓለም፡ ክብረትን ፍትሓዊ ተረባሕነትን ኣመልኪቱ ንዝሃቦ ቃላት ከም ኣብነት ዝጠቀሰ ኣቶ ዑስማን፡ እዚ ራእይ እዚ ንጥፈታት እቲ ባይቶ ክመርሕ ዝግባእ ምባሉ ውን፡ ካልእ ትዕዝብቲ ዝፈጥር’ዩ።፡
ኣብ መወዳእታ፡ ኤርትራ ምስቲ ባይቶን ኣባል ሃገራቱን፡ ብመንፈስ ምኽባር ልኡላውነትን ሓቀኛ ሽርክነትን ብሓባር ንምስራሕ ድልውቲ ምዃና ዝገለጸ ዑስማን ሳልሕ፡ ዓለምለካዊ ስርዓት ከይወድቅ ጠመተ ከምዘድልዮ ብምርዳእ’ዩ መደሩኡ ዓጽዩ።
ብመንገዲ ዑስማን ሳልሕ፡ ተሓላዊ ሰባኣዊ መሰለን ዓለምለካዊ ሕግን መሲሉ ዝቀረበ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ’ቲ ባይቶ ሓላፍነታዊ ከምስሎ ዝክእል ቃላት እኳ እንተተጠቅመ፡ ምስቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ገበናት ግን፡ ቃላትን ምስልን እቲ ጉጅለ ዝሳነዩ ከምዘይኮኑ ንብዙሓት ንጹር’ዩ።