ፖሊስን ጸጥታን ግብጺ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፍጽምዎ ዘለዉ ግፍዕታት፡ ኣዝዩ ኣነዋርን ኣሰካፍን ምኳኑ፡ ምንጭታትና ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ኣረጋጊጾም።
እቲ ብፍሉይ ናብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘነጻጸረ ኢሰባኣዊ ተግባራት፡ቡላን ኣጎዛን ተባሂሎም ኣብ ዝፍለጡ ቤት ማእሰርቲ ይፍጸም ምህላው ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ነፍሲ ወከፍ ተገፊፉ ናብ’ቲ ቤት ማሕቡስ ዛኣተወ ኤርትራዊ ካብ 1500 ክሳብ 2000 ሽሕ ክኸፍል እንዳተሓተተ ይግረፍን ይሳቀን ምህላዉ፡ ዘይከፈሉ ውን ክሳብ ደው ኢሎም ክሓድሩ ይግደዱ ምህላዎም’ዮም ኣብ ሓበሬቶኦም ዝገልጹ።
ምስተን ናብ ኤርትራ ዝተጠረዙ ብምኳን ናብ ኤርትራ ዝተመልሳ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብቲ ቤትማእሰርቲ ብዝወረደን ዓመጽ ጥንሲ ሒዘን ናብ ኤርትራ ከምዛኣተዋ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ኣብ ካይሮ ንዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ብዛዕባ እቲ ዝወረደን ዓመጽን ዘጋጠመን ጥንስን ክሕብራ ኣብ ዝፈተናሉ ሰዓት፡ ዝኮነ ይኩን ቃል ከይዛረባ ከቢድ መጠንቀቅታ ከምዝተነግረን፡ እቲ ኤምባሲ ኣካል ናይቲ ገበናት ኮይኑ ይዋሳእ ምህላዉን’ዮም ዝገልጹ።
ካብ ደቂ ኣንስትዮ ብዝሓለፈ፡ ኣብ ልዕሊ 13 ደቂተብዓትዮ ኤርትራውያን ስደተኛታት ውን ዘሰንብድ ጾታዊ ዓመጽን ግፍዕን ከምተፈጸመ ዝሓበሩ ምንጭታትና፡ እዚ ኣዝዩ ኣነዋሪ መሰል ሓታቲ ዑቅባ ዝረገጸ ኢሰብኣዊ ተግባር፡ ክኹነንን ዓለም ክትሰምዖ ክስርሓሉን ከምዘለዎ’ዮም ኣብ መልእክቶም ዝጠቅሱ።
ብዘይካ’ዚ ሓንቲ ኣደ ውን ኣስቤዛ ክትገዝእ ኢላ ካብ ገዛኣ ኣብ ዝወጸትሉ ሰዓት ተገፊፋ ናብ ኤርትራ ከምዝተጠረዘትን፡ ኣብ ገዛ ዓጽያቶም ዝወጸት ክልተ ደቃ ሞይቶም ከምዝተረክቡን ዝገለጹ ምንጭታትና፡ እቲ ኣብ ግብጺ ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ዘሕፍርን ኣነዋርን ብምኳኑ፡ መንግስቲ ግብጺ፡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን፡ ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ትካላትን ነዚ ጉዳይ ብህጹጽ ክምርምርዎን፡ ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ክቐርቡን ጻውዒት ክንገብር’ዮም ምሕጽንቶኦም ዘቅርቡ።
እዚ ኣብ ግብጺ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ ኣነዋሪ ተግባር፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ዝፈለመ ኮይኑ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብወግዒ ብዘይተገልጸ ምኽንያትን ስቱር መንገድን፡ ልዕሊ 150 ኣብታ ሃገር ክነብሩ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ከምዝተሰጉ ኣብ እዋኑ ገሊጽናዮ ምንባርና ዝዝከር ኮይኑ፡ እዚ ኣብ’ዚ ቅንያት ዝረአ ዘሎ ኣነዋሪ ተግባር ግን፡ ካብ ምጥራዝን ምእሳርን ብዝሓለፈ ኣካል ዘጉድል መግረፍትን፡ ጾታዊ ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ደቂ ተብዓትዮ ከይተረፈ ይፍጸም ምህላዉ፡ መንግስቲ ግብጺ ህጹጽ ሓላፍነት ክስከም ኩሉ ክሰርሕ ከምዝግባእ’ዩ፡ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ዘተሓሳስብ።
ኣብ ካይሮ ኤርትራውያን ብብዝሒ ኣብ ዝነብሩሉ ከባቢታት ድሕሪ ዝተገብረ ግፋ፡ ፈለማ ኣብ ጊስም ሌዋ ዝብሃል ቤትማእሰርቲ፡ ካብኡ ናብ ጊስም ቡላእ፡ ጸኒሖም ከኣ ናብ ዱጊ ዝብሃል ኣብያተ ማእሰርቲ እንዳሰጋገሩ፡ ናብ ኤርትራ ይመልስዎም ምህላዎም ዝገለጹ ምንጭታትና፡ እቲ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ኣነዋሪ ተግባራት ግዜ ዝህብ ስለዘይኮነ ግን፡ ኩሉ ብዝከኣሎ ክረባረብን ዓለም ቖላሕታ ክትህቦ ክሰርሕን ይግባእ።