ግብጺ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወተሃደራዊ መዓስከር ናይ ምምስራት ሕልማ ክትሰርዞ እንትኺኢላ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ንግዲ ኣፍደገ ንክትረክብ ክትድግፍ ድልውቲ ምዃና ገሊጻ።
እቲ ብመንገዲ national news ዝወጸ ሓበሬታ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ገምጋም ቀይሕ ባሕሪ ወተሃደራዊ ሓይሊ ናይ ምትካል መደባ እንተሓዲጋቶ፡ ከሙኡ ውን ኣብ ጉዳይ ምክፍፋል ማይ ፈለግ ኒል ተዓጻጻፍነት ከተርእይ እንተደኣ ኽኢላ፡ ግብጺ ነቲ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ንምእታው እትገብሮ ዘላ ውጥን ብምድጋፍ፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንኽትረክብ ከምእትድግፋ’ዩ ዝገልጽ።
እዚ እማመ እዚ፡ ግብጺ ነቲ ምስ ሶማል፡ኤርትራ፡ ጅቡቲን ሱዳንን ዘለዋ ዲፕሎማሲያዊ ጽልዋ ተጠቂማ፡ ድሌት ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ክትድግፍ፡ ኣምሳዩኡ ከኣ ኢትዮጵያ ኣብ ገማግም ባሕሪ ወተሃደራዊ መዓስከር ናይ ምምስራት መደባ ክትሓድጎን፡ ኣብ ምክፍፋል ማይ ፈለግ ኒል ውን፡ ተዓጻጻፊ ባህሪ ከተርእን ዝጽውዕ ኮይኑ፡ እቲ ብወገን ግብጺ ዝቀረበ ውዕል፡ ግብጽን ኢትዮጵያን ንክልቲኤን ሃገራት ተጠቃሚ ኣብ ዝገብር ስምምዕ ክረዳዳኣ፡ ኢትዮጵያ ነዚ እማመ እዚ ዘይትቅበሎ እንተኮይና ግን፡ ግብጺ ነቲ ናይ ኢትዮጵያ ሕልሚ ንምቁጻይ ክትስለፍ ከምእትግደድ ዘረድእ’ ዩ።
ቀንዲ ነጥብታት ናይ’ቲ ብወገን ግብጺ ዝቀረበ ቅድመ ኩነት…
ቀዳማይ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ (ብፍላይ ኣብ ሶማሊላንድ) ክትምስርቶ ዝሓሰበት ናይ ሓይሊ ባሕሪ መዓስከር ክትሰርዞ።
ካላኣይ እቲ ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ደገፍ፡ ምስቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ናይ ግድብ ህዳሰ ሕቶ ዝተኣሳሰረ ምኳኑን፡ ተዓጻጽፍነት ኢትዮጵያ ከምዝሓትትን ዘረጋግጽ ኮይኑ፡ ብወገን ግብጺ ናይ win win strategy ምኳኑ’ዩ ዝንገር።
ናይ ቱርኪ ተራ: ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንት ኤርዶዋን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ሃገሩ ካብ “ጂኦግራፊያዊ እሱርነት” ክትወጽእ ከምዘለዋ ደጊሙ ገሊጽሉ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ጠይብ ኤርዶጋን ብወገኑ፡ ቱርኪ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ግጭት ከምዘይትድግፍ ከምዝገለጸሉ ኣይርሳዕን።
ግብጺ፡ ኣብ ማይ ፈለግ ኒል ዘሎ ተበጻሕነታ እንተተሓልዩ፡ ናይ ኢትዮጵያ ድላይ ንምምላእ ፍቃደኛ ምኳና ዝገለጸት ኮይና፡ ይኹን እምበር ብወገን ኢትዮጵያ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ዝተዋህበ ግብረመልሲ የለን።፡
ግብጺ ነዚ ንምርግጋጽ፡ ኣብ ወደባት ዓሰብ (ኤርትራ)ን ዶራለ (ጅቡቲን) ወተሃደራዊን ቴክኒካዊን ደገፍ ብምሃብ፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘለዋ ጸቕጢ ከተሐይል ምጽንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ናይ ማይ ምስሕሓብ ክትፈትሖ እንተኺኢላ፡ ግብጺ ውን ናይ ባሕሪ ድላይ ኢትዮጵያ ንምዕዋት ክትሰርሕ ምኳና’ዩ ሓበሬታ national news ዘረድእ።