ንስቅታ ከም ፖለቲካዊ ስትራተጂ ጠሚቱ ኣብ ዝምታ ዝተሓበአ ፖለቲካ ክኽተል ዝጸንሐ ጉጅለ ህግደፍ፡ ቲቦር ናጂ ንኤርትራ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ሪኢቶ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንዘለዎ ቂም ዘንጸባርቅ ቂም ዝሓዘ ፖለቲካዊ ጸለመ’ዩ ክብል ኮኒኑ።
ቲቦር ናጂ ኣብ ጋዜጣ Avalanche Journal ኣብ ዝተሓተመን፡ ንፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣመልኪቱ ናብ ዘቀመጦ ናይ ርእይቶ ዓንቀጽን፡ ኣብ’ዚ ዞባ ተፈጢሩ ንዘሎ ወጥሪ ዘበገሱ ቀንዲ ምኽንያታት ብምጉሳይ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ቂም ሓዘልን ግምታት ምቕራብ ዝከሰሰ ጉጅለ ህግደፍ፡ ቲቦር ናጊ ንልሙድ ሜላ ጸለመ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ክደግሞ ምፍታኑን ቅቡልነት ከምዘይብሉን’ዩ ዝከስስ።
ቲቦር ናጂ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ነቲ ንዓለምለካዊ ሕጊ ብምጥሓስን፡ ንናይ መወዳእታን ቀያድን ውዕል ኣልጀርስ ብምርጋጽን፡ ሉኡላዊ መሬት ኤርትራ ደፊሩ ዝጸንሐ ሓይሊ ደጋፍን ተሓባባርን ምንባሩ ኣብ መግለጺኡ ዝጠቀሰ ጉጅለ ህግደፍ፡ እዚ ሕጂ ዝሃቦ ሪኢቶ ውን፡ ነቲ ኣፍልጦ ሶማሊላንድ ንምእዋጅ ዝግበር ዘሎ ላዕሊ ታሕትን፡ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ዝረአ ዘሎ ኣሉታዊ ተራን ዘጉልሕ ምኳኑ’ዩ ዝጠቅስ።
ኣመሪካ፡ ሓንቲ ካብተን ንውዕል ኣልጀርስ ካብ ዘውሓሳ ሃገራት ክንሳ፡ ቲቦር ናጂ ግን ነቲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ሉኡላዊ ግዛኣት ኤርትራ ተቆጻጺሩ ዝጸንሐ ብወያነ ዝምራሕ ናይ ኢሂወደግ መንግስቲ፡ ክጣበቀሉን ከመካንየሉን ምጽንሑ ዝኸሰሰ ጉጅለ ህግደፍ፡ በቲ ድሕሪ 16 ዓመታት ዝመጸ ቅብሉነት ውዕል ኣልጀርስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምውዳስ ኣገዳሲ ዘይምንባሩ ብምጥቃስ፡ ቃላት እቲ ኣመሪካዊ ፖከቲከኛ ጸረ ኤርትራ ቃላት ሓዘል ምኳኑ’ዩ ዝከስስ።
ኤርትራ ነጻነታ ቅድሚ ምርካባ ኣካል ናይታ ልዕሊ 2000 ዓመታት ዘቁጸረት “ኢምፓየር ኢትዮጵያ” እያ ክብል ዘቅረቦ ዘይቀጥታዊ መልእኽቲ ውን፡ መሰረት ዘይብሉ ጽንጽዋይ ምኳኑ ዝጠቀሰ ህግደፍ፡ ቲቦር ናጂ ዝሃቦ ቃል ነቲ ካብ 1951 ክሳብ 1991 ብስርዓታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተፈጸመ ስግረዶባዊ ወራር ምኳኑ ብምጥቃስ’ዩ፡ ንቃላት እቲ ወሃቢ ሪኢቶ ዝኩንን።
ቲቦር ናጂ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ከም ካብ ሰማይ ዝወረደ ናይ ኣምላክ ሰብ ጌሩ ብምጥቃስ፡ ኣብ ልዕሊ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ግን ብርቱዕ ጸለመ ክውርውር ምፍታኑ፡ ንነዊሕ ዓመታት ተቆጺሩ ክኸዶ ካብ ዝጸንሐ ናይ ሎቢ( lobby) ኣካይዳ ዝንቀል ምኳኑ ብምጥቃስ፡ ንቀንዲ ድሌታት ኢትዮጵያ ዘራጉድን፡ ንኤርትራ ዘሰይጥንን ቃላት ተጠቂሙ ዘቀመጦ ርእሲ ዓንቀጽ፡ ብፍጹም ቅቡል ከምዘይኮነን፡ ቂምታ ሓዘል መግለጺ ምኳኑን’ዩ እዩ ዝገልጽ።
ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ብስቅታ ክኸዶ ዝጸንሐ ናይ ፖለቲካ ኣካይዳ፡ ከም ዕዉትን ምንጪ ዓቢ ዓወታትን ኣቀሚጡ ክገልጾን ክንየተሉን ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ግን፡ ምስቲ ብኹሉ ኣንፈት ገጢምዎ ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ፈተነን ስጋኣት ኲናትን፡ ካብ ስቅታ ወጽዩ መዓልታዊ ሪኢቶ ውልቀሰባት ከይተረፈ ኣብ ምምላስ ተጸሚዱ ምህላዉ ዝፍለጥ”ዩ።
ቲቦር ናጂ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝጸሓፎ ርእሲ ዓንቀጽ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ብምትሕብባር ዝተፈጸመ ኲናት፡ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ቅርጺ ትግራይ ናይ 4ቢልዮን ዶላር ክሳራ ከምዘውረደን፡ ሂወት ልዕሊ 600 ሽሕ ዜጋታት ምውሳዱን ምግላጹ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ’ዚ መዝገብ እዚ ስሙ ዝተጠቅሰ ጉጅለ ህግደፍ፡ ገዛእ ነብሱ ንምክልኻል’ዩ ንቲቦር ናጂ መልሲ ክህቦ ተገዲዱ ዝርከብ።