ድሕሪ’ቲ ኣብ 2020 ዝተወለዐ ኲናትን ንሱ ዘስዓቦ ዕንወትን፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ቁጠባዊ ውድቀትን ስእነትን ክወድቅ ዝተገደደ ህዝቢ ትግራይ፡ በዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ምዕባለታትን፡ ስጋኣት ዳግማይ ኲናትን፡ ኣመና ይሳቀ ምህላዉን፡ መንእሰያት ተጋሩ ውን ካብ’ታ ክልል ብብዝሒ ይርሕቁ ምህላዎምን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፈደራልን ሓይልታት ትግራይን ዘሎ ወጥሪ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳበረከ ምምጹኡ፡ ንህዝቢ ትግራይ ኲናት ዘይተርፍ’ዩ ናብ ዝብል መደምደምታ ይወስዶ ምህላዉ ዝግለጽ ኮይኑ፡ እቲ ኲናት ዳግማይ እንተተወሊዑ፡ ምዕጻው ባንክ መብራህቲ ኢንተርነትን መጓዓዝያን ክስዕብ ብምኳኑ፡ ከቢድ ስጋኣት ተፈጢሩ ምህላው፡ ዝኸኣለ ውን ናብ ኣዲስ ኣበባ ገጹ ይግዕዝ ምህላዉን’ዩ ዝንገር።
ብሰንኪ’ቲ ዝተፈጥረ ስጋኣት፡ ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ሰማይ ይድይብ ምህላዉ ዝገለጹ ነበርቲ እታ ክልል፡ መንእሰያት ካብ’ታ ክልል ምውጻእ ከም ኣማራጺ ክሪእዎ እንከለዉ፡ እቲ ድሓን መነባብሮ ዝጸንሖ ውን፡ ሃለኽቲ ነገራት ኣብ ምክዛን ተዋፊሩ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።
ምስ ትግራይ ብዝተሓሓዝ ሓበሬታ፡ ኮምሽን ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ፡ ብመሰረት ካብ ቤት ምኽሪ እታ ሃገር ዝተቀበሎ ትእዛዝ፡ ኣብ ሞንጎ ትግራይን ኣምሓራን ከም ኣከራኻሪ ቦታታት ዝተቀመጠ ዞባ፡ ኣብ ትሕቲ ፈደራል ብምኳን ኣብ ምርጫ ክሳተፍ ምውሳኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ንስምረት ፓርቲ ዝመርሕ ጌታቸው ረዳ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤትፍርዲ ክበጽሕ ድሕሪ ምግባሩ፡ ቤትፍርዲ ደው ከምዘበሎ ተገሊጹ።
ነዚ ውሳነ ‘ዚ ብወግዓዊ መግለጺ ዝኮነነ ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ሰልፊ ስምረት፡ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ክወስዶ ምኳኑን ቀዲሙ ምግላጹ ዝዝከር ኮይኑ፡ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ንዝቀረበ ቅሬታ ተቐቢሉ ናይ መወዳእታ ውሳነ ክሳብ ዝህብ፡ እቲ ብቤት ምክር ቤት ፌዴሬሽን ዝተመሓላለፈ ውሳነ ንግዚኡ ክእገድ ውሳነ ምሕላፉ’ዩ፡ ጌታቸው ረዳ ዝገልጽ።
ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብ 1987 ዓ.ም ግእዝ ዝወጸ ሕገ-መንግስታዊ ኣዋጅ፡ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሕገ-መንግስታዊ ትርጉም እታ ሃገር ናይ መወዳእታ ስልጣን ዘለዎ ኣካል ምኳኑን፡ ንኣብያተ ፍርዲ ፈደራል ሓዊስካ ኣብያተ ፍርዲ እታ ሃገር ኣብ ሕገ-መንግስታዊ ኣዋጅ ገምጋም ናይ ምግባር ስልጣን ከም ዘይብሎም ዝድንግግ ብምኳኑ፡ እቲ ውሳነን ጽልዉኡን ገና ኣብ ባይታ ዝወረደ ዘይምኳኑ’ዩ ዝንገር።
ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ብወገን ክልል ኣምሓራ ናይ ይብጽሓኒ’ዩ ሕቶታት ንዝለዓለሉ ሰፊሕ ከባቢታት ክልል ትግራይ፡ ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ወጻኢ ኣብ ትሕቲ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኮይኑ ምርጫ ከካይዳ ምውሳኑ፡ ኣብ’ዚ ሳልስቲ ምግላጹ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ክልል ትግራይ ብምኳን ምርጫ ዘካይድ ዝነበረ ሓሙሽተ ከባቢታት ራያን ሕሞራን፡ ሎሚ ዓመት ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ፡ ካብ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ወጽዩ፡ ኣብ ትሕቲ ባይቶ ተወከልቲ ብምኳን ድምጹ ክህብ ምውሳኑን፡ ካብ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ብዝተውሃበ ውሳነ መሰረት ተደሪኹ፡ ናብ’ቲ መደምደምታ ምብጽሑን ድሕሪ ምግልጹ፡ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ቁጥዐ ምፍጣሩን፡ ህዝቢ ትግራይ ናይ ሰለማዊ ሰልፊ ምውዳቡን’ዩ ዝንገር።
ድሕሪ’ቲ ብሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዝወጸ መግለጺ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብወገኑ ህጹጽ ግብረመልሲ ዝሃበ ኮይኑ፡ ነቲ ድምጺ ህዝቢ ትግራይ ዘይብሉ ቤት ምኽሪ ዘሕለፎ ውሳነ ብትሪ ድሕሪ ምኩናኑ፡ እዚ ሓደገኛ ውሳነ ከስዕቦ ዝኽእል መዘዝ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብኣግኡ ክእረምን ዳግመ ግምት ክግበረሉን ብጽኑዕ ይሓትት ብምባል፡ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ንዘውጾኦ መግለጺ ምንጻጉ ውን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ትግራይ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ብምውዳቡ፡ መስመር ኢንተርነት እቲ ክልል ዝተወሰነ ምቁርራጽ ገጢምዎ ምህላዉ ውን’ዩ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ዘረድእ።
ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ዝርዝር ምርጫ ዝካየደሎም ክልላትን ጣብያታትን ብወግዒ ኣብ ዝገለጸሉ እዋን፡ ሑመራ፡ ዓዲ-ረመጽ፡ ጸለምቲ፡ ኮረም-ኦፍላ፡ ከምኡ’ውን ራያ-ኣላማጣን፡ ኣብ ትሕቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብምኳን፡ ምርጫ ክሳተፋ ምውሳኑ ኣፍሊጡ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ’ዚ ሳልስቲ ኣብ ዘውጾኦ ሓድሽ መግለጺ ግን፡ ቤት ምኽሪ ፌደፈሬሽን ኢትዮጵያ፡ ኣብ መጀመርታ መዓልታት ናይ’ዚ ወርሒ ናብ ቦርድ ምርጫ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ እቲ ኣካታዒ ተባሂሉ ዝጥቀስ ከባቢታት ብሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር ናይ መወዳእታ መዕለቢ ክሳብ ዝረክብ፡ ካብ ክልል ትግራይ ወጻኢ ኣብ ትሕቲ ተወከልቲ ፈደራል ብምኳን ክመርጻ ኣለወን ዝብል ውሳነ ከምዝተቀበለ’ዩ ዝገልጽ።
እቲ ቦርድ ምርጫ ኣብ መግለጺኡ፡ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣብ ዝሰደደልና ደብዳበ፡ እቲ ንክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዘካትዓ ዘሎ ሓሙሽተ ከባብታት፡ ካብ ክልል ትግራይ ወጻኢ ምርጫ ከካይድን፡ ተወከልቲ ሃገራዊ ባይቶ ክመርጽን ከምዝወሰነ ኣፍሊጡና ዝበለ ኮይኑ፡ ብተወሳኪ ኣብ’ቲ ኣካታዒ ቦታታት ክልላዊ ምርጫ ዝካየድ ውን፡ እቲ ኣካታዒ ቦታታት ብሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር መዕለቢ ምስ ረኸበ ጥራሕ ምኳኑ ከምዝተነግሮ ውን’ዩ ወሲኹ ዝጠቀስ።
ኲናት ትግራይ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ድሕሪ ምውልዑ፡ ንሰፊሕ ግዝኣት ምዕራብ ትግራይ ሓዊሱ፡ ብርክት ጽበለ ከባቢታት ወልቃይት ሕሞራን ራያን ኣብ ትሕቲ ዕጡቓት ክልል ኣምሓራ ምህላዉን፡ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ መዕለቢ ክርከቦ ዝነበረ ትጽቢት ውን ዛጊት ክሳብ ሕጂ ውጺኢት ከምዘይሃበ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ሕጂ ወጽዩ ዘሎ መግለጺ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ግን፡ ነቲ ኩነታት ናብ ዝበኣሰ ሓድጋ ከይወስዶ ስጋኣት ፈጢሩ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።
ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተመዛበሉ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዝቁጽሮም ነበርቲ፡ ናብ መንበሪ ቤቶም ከይተመልሱ ድሮ 6 ዓመት ሒዞም ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ትማሊ ዝወጸ መግለጺ ብወገን ትግራይ ከቢድ ቁጥዐ ፈጢሩ ብምህላዉ ግን፡ ገና ኣብ ቴንዳ እንዳሃለው ካልእ ዙር ኲናት ከይውላዕ ከቢድ ስጋኣት ሰፊኑ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።
እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝኮነ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ዲሞክራስያዊ ውድብ ስምረት ትግራይ ብወገኑ፡ ባይቶ ፈደረሽን ኣብ’ቲ ኣከራኻሪ ዝተባህለ ከባብታት ትግራይ ዘሕለፎ ውሳነ እንተዘይተኣሪምዎ፡ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ምርጫ ክሳተፍ ከምዘይኮነ ኣፍሊጡ።
ውድብ ስምረት፡ ናብ ባይቶ ፌደሬሽን ከሙኡ ውን ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዝጸሓፎ ናይ ተቓውሞ ደብዳበ፡ ነቲ ውሳነ “ዘይሕገ መንግስታዊ” ክብል ዝኮነኖ ኮይኑ፡ እቲ ዝተዋህበ ውሳነ ዳግመግምት እንተዘይተጌርሉ፡ ውድብ ስምረት ኣብ ምርጫ ክህሉ ከምዘይኮነ’ዩ ኣነጺሩ ዝርከብ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ ስጉምቲ ብወገን ትግራይ ከም ምፍራስ ውዕል ፕሪቶርያ ዝጥመት ብምኳኑ፡ ኣብ ሞንጎ ዕጡቃት ትግራይን ሓይልታት ፌደራልን፡ ዳግማይ ግጭት ከይፍጠር ዓቢ ስጋኣት ምህላውን፡ ኣብ ወሰናስን ከባቢታት ትግራይ ዝረአ ዘሎ ኣጽዋር ናይ ምጽጋዕ ተግባራት ውን፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ስንባደ ፈጢሩ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።