መራሒ ሰራዊት ሱዳን ኣብደልፈታሕ ኣል-ቡርሃን፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ መጋቢት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብኣካል ተረኺቡ ንምዝርራብ ዘቅረቦ ተደጋጋሚ ሕቶ፡ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ መልሲ ከምዘይተዋህቦ ገሊጹ።
ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል-ቡርሃን ነዚ ዝገለጸ፡ ምስ ኣመሪካዊ ተንታኒ ካሜሮን ሁድሰን ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት ኮይኑ፡ ካብ ኢትዮጵያ ተበጊሱ ናብ ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ዝበጽሕ ዘሎ ወታደራዊ ኣጽዋርን ቀረብ ሎጀስቲክን ከም ዘሻቐሎም ድሕሪ ምጥቃስ፡ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ንምዝታይን፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንብምኻድ ብዘተ ንምፍትሑን ተደጋጋሚ ግዜ ዘቅረቦ ሕቶ፡ ብወገን ኣዲስ ኣበባ ዝኮነ ይኹን መልሲ ከም ዘይተዋህቦ’ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪ ናብ ኲናት እንተዓሪጉ፡ ሱዳን ከመይ ከም እትርእዮን፡ ምስ መን ከምእትውግንን ክገልጽ ዝተሓተ ኣልቡርሃን፡ ሱዳን ኣብ ዝኾነ ዞባዊ ግጭት ተሳታፊት ክትከውን መደብ ከምዘይብላ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ካርቱም ኣብ ዝኮነ ይኩን ዞባዊ ግጭት ጣላቃ ብምእታው ናይ ምውጋእ ፖሊሲ ከም ዘይትክተል ድሕሪ ምጥቃሱ፡ ኢትዮጵያ ውን ኣብ ኲናት ሱዳን ኢዳ ከተእቱን፡ ቅልውላው ሱዳን ዓለምለኻዊ መልክዕ ክሕዝ ተራኣ ክትጻወትን ከምዘይትፈቅድ’ዩ ዝገልጽ።፡
ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል-ቡርሃን ሃገሩ ኣብ ዝኮነ ይኩን ዞባዊ ግጭት ከምዘይትሳተፍን፡ ናይ ዝኮነ ይኩን ኣካል ጸግዒ ከምዘይትሕዝን ዋላ ዳኣ ይግለጽ እምበር፡ ብወገን ኢትዮጵያ አርሚ 70 ተባሂሉ ንዝጽዋዕ ናይ ትግራይ ሓይሊ ትህቦ ዘላ ደገፍ ደው ከተብል ክቀርበላ ዝጸንሐ ሕቶ፡ መልሲ ክትህበሉ ከምዘይጸንሐት ውን ዝዝከር’ዩ።
ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብ ቃለመሕትቱ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ብዳዕመል ሰሪዕ ዝፍለጥ ዕጡቅ ሓይሊ ትሕግዝ ምህላዋን፡ ነዚ ኩነታት ብዘተ ንምፍታሕ ናብ ኢትዮጵያ ክገይሽ ዘቅረቦ ጠለብ ውን መልሲ ምሳኣኑን እኳ እንተገልጸ፡ ኢትዮጵያ ብወገና ቅድሚ ኣዋርሕ ብዳይሬክተር ሃገራዊ ትካል ሓበሬታን ድሕነትን ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሰን ዝምራሕን፡ ንኣቶ ጌታቸው ረዳን ዝሓዘን ልኡኽ ጉጅለ ናብ ሱዳን ብምልኣኽ፡ ሱዳን ንሓይልታት ትግራይ ናይ ምሕጋዝ መደባታ ደው ከተብል ዝሓትት ደብዳበ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ናብ መንግስቲ ኣልቡርሃን ምልኣኻን፡ መንግስቲ ኣልቡርሃን ንሕቶ ኢትዮጵያ መልሲ ከምዘይሃበሉን’ያ ትኸሰስ።
3 ዓመታት ኣቁጺሩ ዘሎ ግጭት ሱዳን፡ ብርክት ዝበላ ሃገራት ዝዋሳኣሉ ማእከል ዞባዊ ቀውሲ ኮይኑ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሱዕዲ ዓረብ፡ ግብጺ፡ ኤርትራን ትግራይን ምስ ሰራዊት ሱዳን፡ ኢማራትን ኢትዮጵያን ምስ ሰራዊት ዳዕመል ሰሪዕ ተሰሊፎም ምህላዎም’ዩ ዝንገር።