ምክትል ኣመሓዳሪ ዞባ ወልቃይት ጸገዴን ሓላፊ ጸጥታ እቲ ዞባን ዝኮነ ኮሎኔል ደመቀ ዘውዱ፡ ህወሓት ሰፊሕ ኲናት ንምክያድ ምድላው ይገብር ከምዘሎን፡ ጀነራል ታደሰ ወረደ እውን ነዚ ዝኸውን መምርሒ ከምዝሃበን ገሊጹ።
ኮሎኔል ደመቀ ነዚ ዝገለጸ፡ ሰልፊ ብልጽግና ንምድጋፍ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ደገፍ መድረኽ ኣብ ዘስምዖ መደረ ኮይኑ፡ ህወሓት ሕጂ እውን ንኲናት ምድላው ይገብር ምህላዉ ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ጀነራል ታደሰ ወረደ ካብ ነፍሲ ወከፍ ወረዳ 2,000 ተማሃሮን ሰራሕተኛታት መንግስትን፡ ንኲናት ክስለፉ መምርሒ ምሃቡ ከምዘረጋገጸ ብምጥቃስ፡ ነዚ መምርሒ እዚ ተቐቢልካ ንኩናት ናይ ምስላፍን ዘይምስላፍን ውሳነ ግን፡ ንመንእሰያት ትግራይ ዝምልከት ምኳኑ’ዩ ምዃኑ ገሊጹ ዝርከብ።
ነቲ ብቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ዝሓለፈ ውሳነ፡ ከም ናይ ሰብኣይን ሰበይትን “ቃል ፍትሕ” ዝመሰለ ኮነሬል ደመቀ፡ ምስ’ቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሓይሊ ናይ ንብረት ምክፍፋል ፍትሕ ይተርፈና ድሕሪ ምባሉ፡ ህወሓት ኣብ መስርሕ ቃልሲ ንዝሞቱ ሰባትን ንዝተመዛበሉ ወገናትን ካሕሳ ክኸፍል ከምዘለዎ ድሕሪ ምምልካት፡ ንመጻኢ በቲ ኩነታት ንዝተፈጥረ ሓደጋታት ኩሉ ተሓታትነት ክስከም ምኳኑ’ዩ ዝገልጽ።
ምስ መንግስቲ ፌዴራል ተጸጊዖም ህወሓት ጸረ-ዲሞክራሲ ውድብ’ዩ ክብሉ ዝጸንሑ ፖለቲከኛታት ትግራይ፡ ሕጂ ጉዳይ ትግራይ ምስ ተላዕለ ምስ ህወሓት ምሕባሮም ውን ገና ካብ’ቲ ናይቲ ጉጅለ መንነት ከምዘይተናገፉ ዘረጋግጽ’ዩ ዝብለ ኮነሬል ደመቀ፡ እቲ ጉዳይ ጉዳይ ከብዲ ዝሓቦኦ ቂምታ የውጾኦ ምኳኑ ብምጥቃስ”ዩ ንህወሓት ዝኩንን።
ውሳነ ቤት ምክሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትግራይ ሰፊሕ ቍጠዐ ድሕሪ ምልዕዓሉ፡ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ፓርቲ ስምረት ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፈደራል ክሲ ብምቕራቡ፡ እቲ ውሳነ ንግዚኡ ምእጋዱ ዘነደሮ ኮነሬል ደመቀ ዘውዱ፡ ጌታቸው ረዳ ኣብ ብርጽግና ዝርከብ ወኪል ህወሓት’ዩ ክብል ከምዝገለጾ ውን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ደመቀ ዘውዱ ነቲ ናይ ቤትምኽሪ ፈደረሽን ውሳነ ከምዝተቀበሎ’ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብቅድሚ ትማሊ 26 ለካቲት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ብኽልቲኡ ሸነኽ ዝቐርብ ዘሎ ምጕት ክሳብ ዝውዳእ፡ ውሳነ ቦርድ ምርጫ ንግዝኡ ተኣጊዱ ክጸንሕ፡ ሰለስተ ዳያኑ ውሳነ ከም ዘሕለፉ’ዩ ዝገልጽ።