ኣመሪካን እስራኤልን ሎሚ ቀዳም ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ብምክያደን ንማእኸላይ ምብራቕ ናብ ሓድሽ ግጭት ኣእቲዎ ኣሎ።
እዚ ድማ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ዘስዓቦ ጸጥታዊ ስግኣት ከብቅዕን ኢራናውያን ገዛእቶም ከውድቑ ዕድል ዝህብን እዩ ኢሎም።
እቲ መጥቃዕቲ ነተን ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከባ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ውን ኣብ ጫፍ ስግኣት ኣእትይወን ከምዘሎ ይፍለጥ ። ኣብ’ቲ ዞባ እንዳ በረኸ ክኸይድ ዝጸንሐ ምትፍናን ሎሚ ንግሆ እስራኤል ኣመሪካን ንኢራን ኣብ 5 ከተማታት ክድብድባ ከለዋ ኢራን ድማ ናብ እስራኤል ገጻ ሚሳይላት ብምቅናዕ ምላሽ ከምዝሃበት ገሊጻ ኣላ።
ምስ ‘ዚ ተጠሓሒዙ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ተጸጊዑላ ዘሎ ርእሰ ከተማ ባሕሬን ሓያል ፍንጀራታት ተሰሚዑ
ኣሎ።
በዓል መዚ ኣቬሽን ኩዌት ክሳብ ተወሳኺ ሓበሬታ ዝወሃቦ ኩሉ በረራታት ናብ ኢራን ደው ከምዘብሎ ክገልጽ እንከሎ፡ ዑማን ኤየር ድማ ብሰንኪ እቲ ዞባዊ ምዕባለታት ኩሉ ናብ ባግዳድ ዝግበር በረራታት ደው ከምዝበለ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ድሕሪ እቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ዘመሓላለፎ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ፡ ኢራናውያን ንመንግስቲ እታ ሃገር ንምውዳቕ ስጉምቲ ክወስዱ ጸዊዖም።
“ምስ ወዳእና መንግስትኹም ኣውጽኡ። መንግስትኹም ምእላይ ስራሕኩም’ዩ። ናይ ሓደ ወለዶ ዕድልኩም ክኸውን ይኽእል’ዩ ሓይልታት ኢራን ኣጽዋሮም እንተ ኣንቢሮም “ውሕስነት” ክህቦም እዩ፡ እንተዘይኮይኑ “ሞት ክገጥመኩም እዩ” ክብል ውን ኣብ’ቲ ኣበሬትኡ ገሊጹ ኣሎ።
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ሓይልታት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ኢራን ብምጭፍላቕ ልዕሊ 6 ሽሕ ሰልፈኛታት ድሕሪ ምቕታሎም፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ንኢራን ከጥቅዕ ምዃኑ ኣፈራሪሑ ነይሩ ኢዩ።
ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሞንጎ ኢራንን ኣመሪካን ኣብ ስዊዘርላንድ ዝተገብረ ዘተ፡ ብዘይ ዝኮነ ውጽኢት ምዝዛሙ ስዒቡ፡ ኣመሪካ ልዕሊ 150 ነፈርቲ ውግእ፡ ኣብ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ናብ ዝርከቡ መዓስከራታ ኲናት ከምዘንቀሳቀሰት ዋሽንግተን ፖስት ዝገለጸ ኮይኑ፡ እቲ ኩነታት ኣሰካፊ መልክዕ ምሓዙ’ዩ ዝእመን።
ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት፡ ክልተ ዓበይቲ ተሰከምቲ ነፈርቲ ዝኮና ወተሃደራውያን መራኽብ፡ ናብ ወሽመጥ ፋርስ ከምዘንቀሳቀሰት ዝዝከር ኮይኑ፡
ኣመሪካ ቅድሚ ዕስራ ዓመት ኣብ ልዕሊ ዒራቕ ወራር ካብ ዘካየደትሉ ግዜ ንደሓር፡ ኣብ ከባቢ እቲ ወሽመጥ ዝለዓለ መጠን ዘለዎ ሓይሊ ከተሰልፍ፡ እዚ ናይ ፈለማ ምዃኑ’ዩ ተገሊጹ ዝርከብ።
ተንተንቲ ፖለቲካን ወተሃደራውያን ተዓዘብትን ከምዝብልዎ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ሕጂ ሰፊርሉ ዘሎ ከባቢ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራቕ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ ግዚያት ሒዝዎ ካብ ዝነበረ ቦታ ዝበረኸ ምኳኑ ዝገልጹ ኮይኖም፡ እዚ ድማ ኣመሪካ ኣጋር ሰራዊት ከየዋፈረት ኣብ ልዕሊ ኢራን ንሓያሎ መዓልታት ዝጸንሕ ወታደራዊ ስርሒት ንምክያድ ትዳሎ ከምዝጸንሐት ዘመልክት ምኳኑ’ዮም ዝገልጹ።