ኢትዮጵያን ወተሃደራዊ ስምምዓት ዝሓወሰ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታትን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ናይ ስምምዕ ሰነድ ምስ ኣዘርባጃን ፈሪማ።
እቲ ኣብ ከተማ ባኩ ዝርከብ ቤተ-መንግስቲ ፕረዚደንት ዛጉልባ ኣብ ዝተኻየደ ዘተን ስምምዕን ክልቲኤን ሃገራት፡ ወተሃደራዊ ምትሕግዛ ዝሓወሰ ኩሉ ዓይነት ንግዳዊ ምድግጋፍ ንምክያድ ስምምዓት ምፍጻመን ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኢትዮጵያን ኣዘርባጃንን ብዝፈረምሉ ሰነድ መሰረት እቲ ስምምዓት ምፍጻሙ’ዩ ተገሊጹ ዝርከብ።
እቲ ብክልቲኤን ሃገራት ዝተፈርመ ናይ ምትሕብባር ሰነዳት፡ ምድላው ኮፕ-32 ጉባኤ ለውጢ ኣየር ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዘመናዊ ሕርሻ፡ ልምዓታዊ መደባት፡ ዕብየት መራኸቢ ብዙሃን፡ ምልውዋጥ ተመኩሮ፡ ምስፋሕ ኢንቨስትመንትን ቃልሲ ጸረ-ብልሽውናን ዘተኮሩ ምኳኖም ዝተጠቅሰ ኮይኑ፡ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ውን ኣካል ናይ’ቲ ሰነድ ምኳኑ’ዩ ዝንገር።
ብካልእ ወገን፡ ዘመናውነት ኣብ ምዕባይ ዝሰርሕ ዘሎ ግዙፍ ትካል “ኣሳን” (ASAN) ኣዘርባጃንን፡ ምስ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኣገልግሎት “መሶብ” ብሓባር ንምስራሕ፡ ስምምነት ከምዝገበሩ ሓበሬታ ጽሕፈት ቤት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝገለጸ ኮይኑ፡ ምትሕብባር ክልቲኤን ሃገራት ኣብ’ዚ ዞባ ዓቢ ፖለቲካዊ ጽልዋ ክህልዎ ከምዝኮነ’ዩ ዝእመን።
ኣዘርባጃን ብርክት ዝበለ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ምሻጥ ክትዋሳእ ምጽንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ናብ ኢትዮጵያ ዝለኣከተን ሰለስተ ዓበይቲ መራኽብ፡ ኣብ ሉኡላዊ ግዛኣት ኤርትራ ድሕሪ ምእታወን ብጉጅለ ህግደፍ ከምዝተጨውያን ከምዝተሃገራን ውን ኣይርሳዕን።