ግዚያዊ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ብምኳን ኣብ መሪሕነት ዝርከብ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ትግራይ ዳግማይ እትረክቦ እምበር፡ ኣሕሊፋ እትህቦ ሓንቲ ኢንች መሬት የብላን ክብል ገሊጹ።
ፕሬዝዳንት ግዝያዊ ምሕደራ ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ነዚ ዝገለጸ፡ ትማሊ ኣብ መላእ ትግራይ ኣብ ዝተካየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኮይኑ፡ ኣብ ሕቶ ህላወን መንነትን ትግራይ ዝኾነ ይኹን ዘተ ክህሉ ከምዘይኮነ ብምግላጽ’ዩ ትግራይ ኢንች መሬታ ኣሕሊፋ ክትህብ ከምዘይኮነት ገሊጹ ዝርከብ።
ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ዝተረጋገጸ ሓቂ እንተድኣሎ፡ ህዝቢ ትግራይ ንፖለቲካዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ጾታዊ ፍልልያቱ ተሰኪሙ፡ ኣብ ህላወኡ ንዝመጽእ ዝኾነ ይኹን ሃገራዊ ሓደጋ፡ ብሓድነትን ብጽንዓትን ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዘለዎ ህዝቢ ምኳኑ’ዩ ዝበለ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህላወ ትግራይ ሓደጋ ክፍጽሙ ንዝመጹ ሓይልታት ውን፡ ቆፉኡ ከም ዝተተንከፎ ንህቢ ሓቢሩ ክቃለሶምን፡ ተኣምር ክሰርሕን ዘይጽገም ህዝቢ ምኳኑ ብምጥቃስ፡ መንግስቲ ፈደራል ውሳኑኡ ዳግመ ግምት ክገብረሉ ከምዝግባእ’ዩ ዘጠንቅቕ።
ፕሬዝደንት ታደሰ ወረደ ወሲኹ፡ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ንዘመሓላለፎ ውሳነ ስዒቡ ዝተራእየ ቁጠዐ፡ ህዝቢ ትግራይ ብናይ ምውሳን መሰሉን ቀጻልነቱን ፍጹም ዝዋገ ህዝቢ ከምዘይኮነ ዘረጋግጽ ምኳኑ ድሕሪ ምጥቃስ፡ እቲ ኩነታት ህጹጽ መፍትሒ ይጠልብ ምህላዉ’ዩ ዝገልጽ።
ከባቢታት ምዕራብ ትግራይ፡ ደቡብ ራያን ጸለምትን፡ ከም ኣሰሓሓብቲ ከባቢታት ተገይሮም ንኽስኣሉ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ፡ ኣካል ናይ’ቲ ትግራይ ንምድኻም ዝካየድ ዘሎ ስትራተጂያዊ ውዲት ምዃኑ ዝሓበረ ጀነራል ታደሰ፡ እዚ ብቤትምክሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ውሳነ ፍጹም ተቀባልነት ከምዘይህልዎ ብምጥቃስ፡ ትግራይ ብታሪክ ይኹን ብሕጋዊ ሰነዳት እትረኽቦ መሬት እምበር፡ ንኻልእ ኣሕሊፋ እትህቦ ሓንቲ ኢንች መሬት ከምዘይብላ’ዩ ዝገልጽ።
ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ፡ መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ሓይልታት ጸጥታን ሲቪል ሰራሕተኛታትን ንዘርኣይዎ ዝተወሃሃደ ናይ ቃልሲ መንፈስ ዘለዎ ኣድናቆት ዝገለጸ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ተጀሚሩ ዘሎ ዝተወሃሃደ ናይ ህላወ ቃልሲ መልሲ ክሳብ ዝረክብ፡ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብኹሉ መዳይ ሓይሉ ክቕጽል’ዩ ጻውዒቱ ዘቅርብ።